16 “ኣብ በረኻ ብሰይፊ ዝተቐትለ ወይ ብሕማም ዝሞተ ወይ ዓፅሚ ሰብ ወይ መቓብር ዝነኽአ ዅሉ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን።
ኣቱም ናይ እግዚኣብሄር ኣቑሑ እትፆሩ፥ ረሓቑ፤ ረሓቑ፤ ካብኡ ውፁ፤ ርኹስ ነገር ከቶ ኣይትንክኡ፤ ካብ ማእኸላ ውፁ፤ ንፁሃትውን ኩኑ።
ድሕሪ ምንፃህ ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ይቝፀሩሉ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ነቶም ደቂ ኣሮን ካህናት ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ ኻህን ሓደ ኻብ ህዝቡ እንተ ሞተ ኣብ ቀብሪ ብምስታፍ ኣይርከስ፤
“ኵሉ ሬሳ ዝሞተ ሰብ ዝነኽአ ንሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን።
ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣስረ መኽደን ዘይብሉ ዅሉ ኽፉት ኣቕሓ ዝረኸሰ ይኸውን።
“ካባኻትኩም ሰብ ዝቐተለ፥ ዝተቐትለውን ዝነኽአ ኽሳዕ ሸውዓተ መዓልቲ ኻብ ሰፈር ወፂኡ ይፅናሕ። ንሳቶምን ምሩኻቶምን ብሳልሰይቲ መዓልትን ብሻውዐይቲ መዓልትን ርእሶም የንፅሁ።
ሕማም ለምፂ ንዘለዎ ዅሉን፥ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር ንዝፈስሶ ዅሉን፥ ሬሳ ብምንካእ ንዝረኸሰ ዅሉን፥ ካብ ሰፈር ከውፅእዎ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም።
በተን ንእግዚኣብሄር ዝተፈለየለን ኵለን መዓልቲታት ናብ ዝሞተ ሰብ ኣይቕረብ።
ግና ብምኽንያት ሬሳ ምዉት ሰብ ዝረኸሱ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ፋሲካ ኸብዕሉ ዘይከኣሉ ሰባት ነበሩ። ንሳቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን መፂኦም፥
“ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ብወፃኢ ፅቡቕ ኮይኖም ዝረአዩ፥ ውሽጦም ግና ዝበስበሰ ኣዕፅምትን፥ ርኹስ ነገርን ዝመልኡ ዝተለመፁ መቓብራት እትመስሉ፥ ወይለኹም!
ኣቱም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከምቲ ሰብ እንተይፈለጠ ረጊፅዎ ዝሓልፍ፥ ዘይረአ መቓብር ኢኹም እሞ ወይለኹም!”