13 ሬሳ ሰብ ዝነኽአ እሞ ዘይነፅሀ፥ ንመሕደሪ እግዚኣብሄር ስለ ዘርከሰ፤ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቢ እስራኤል ይፈለ። እቲ ማይ ምንፃህ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነፀጎ ርኹስ እዩ፤ ርኽሰቱ ገና ኣብ ልዕሊኡ ኣሎ።
እቲ ኸምኡ ዝበለ ቕብኢ ዝገበረን፥ እቲ ኻህን ንዘይኮነ ኻልእ ሰብ ካብኡ ዝለኸየን፥ ካብ ህዝቡ ይወገድ።”
ሓጥእ ብኽፍኣቱ ይግምጠል፤ ፃድቕ ግና እንተ ሞተ እኳ መዕቘቢ ኣለዎ።
ድሕሪ ምንፃህ ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ይቝፀሩሉ።
ነታ ኣብ ማእኸሎም ዘላ ማሕደረይ ብምርካሶም ብርኽሰቶም ከይሞቱስ፥ ንደቂ እስራኤል ካብ ዘርክሶም ነገር ከምዙይ ጌርኩም ፍለይዎም።
መቕደሰይ ከርክስን ቅዱስ ስመይ ከዓ ኸሕስርን፥ ካብ ደቁ ንጣዖት ሞሎኽ ሂቡ እዩ እሞ፥ ብኣይ ፅሉእ ክኸውን እዩ፤ ካብ ህዝቡ ድማ ኸጥፍኦ እየ።
ከምዙይ ከዓ በሎም፦ ካብ ኵሉ ዘርእኹም፥ ዝኾነ ሰብ ርኽሰቱ ኣብ ልዕሊኡ እንተሎ፥ ናብቲ ደቂ እስራኤል ንኣይ ዘቕርቡለይ ቅዱስ ነገር ዝቐረበ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ቅድመይ ተፈልዩ ይጥፋእ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ካብ ደቂ ኣሮን ዝኾነ ሰብ ሕማም ለምፂ ዘለዎ፥ ወይ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር ዝፈሰሶ፥ ክሳዕ ዝነፅህ ካብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ። ብምዉት ዝረኸሰ ዝኾነ ነገር እንተ ነኽአ፥ ወይ ዘርኡ እንተ ፈሰሶ፥
ሓደ ሰብ ካብቲ ዅሉ ኣነ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ፥ ኢለ ዝኣዘዝክዎ ሓንቲ ብምጥሓሱ እንተ በደለ፥ እንተይፈለጠ እኳ እንተ ኾነ በዲሉ እዩ እሞ ሓጢኣተኛ እዩ።
ዝኾነ ሰብ ነቲ ብዝኾነ ይኹን ከርክሶ ዝኽእል ኣብ ሰብ ንዘሎ ዘርክስ ነገር እንተ ነኽአ፥ ምስ ተፈለጦ በዳሊ እዩ።
በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ካብ መጓሰኡ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ሓንቲ በጊዕ ወይ ሓንቲ ጤል ንእግዚኣብሄር የቕርብ። እቲ ኻህን ከዓ ንኣኣ ሰዊኡ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ።
እቲ ረኺሱ እንተሎ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ዝቐረበ ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ዝበልዐ ሰብ ካብ ህዝቡ ይወገድ።
ሓደ ሰብ ዝረኸሰ ነገር እንተ ነኽአ፥ ኣብ ሰብ ንዘሎ ዘርክስ፥ ወይ ዝረኸሰ እንስሳ ወይ ዝኾነ ፅዩፍ ርኽሰት እንተ ነኽአሞ፥ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ዝቐረበ ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ከዓ እንተ በልዐ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ።
ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ጓና፥ ብትዕቢት ሓጢኣት ዝገብር ሰብ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ፀሪፉ እዩ እሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝቡ ይወገድ።
“ሰብ ኣብ ድንኳኑ እንተ ሞተ፥ እቲ ሕጊ ኸምዙይ እዩ፦ ነፍሲ ወከፍ ናብቲ ድንኳን ዝኣተወን ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ድንኳን ዘሎን ሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን።
ከም ሕጊ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ድማ ስምዕዛ ይውሰድ እሞ፥ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቑሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓፅሚ ወይ ነቲ ዝተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ንመቓብር ዝነኽአን ይንፀግ።
እቲ ንፁህ ኣብ ልዕሊ እቲ ርኹስ በታ ሳልሰይቲ መዓልትን በታ ሻውዐይቲ መዓልትን ይንፀገሉ፤ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ንፁህ ክኸውን እዩ። እቲ ዝነፅህ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓፀብ፤ ምሸት ከዓ ንፁህ ክኸውን እዩ።
ዝረኸሰ ሰብ እንተ ዘይነፅሀ ግና፥ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣርኪሱ እዩ እሞ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ማእኸል እቲ ማሕበር ይጥፋእ። ማይ ምንፃህ ስለ ዘይተነፀጎውን ርኹስ እዩ።
“ነቲ ናይታ ዓርሒ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ይኣክቦ። ኣብ ወፃኢ ሰፈር ድማ ኸምቲ ሕጊ፥ ንፁህ ኣብ ዝኾነ ቦታ የንብሮ። እዙይ ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ ነቲ ደቂ እስራኤል ዝነፅሁሉ ማይ ምእንቲ ክኸውን ይተሓሎ።
ከምዙይ ጌርካ ኣንፅሃዮም፦ እቲ ሓጢኣት ዘንፅህ ማይ ንፀገሎም፤ ኵሉ ሰብነቶም ይላፀዩ፤ ክዳውንቶምውን ይሕፀቡ፤ ይንፅሁውን።
ግና ዝኾነ ሰብ ንፁህ እንተሎ፥ መገሻውን ዘይከደ እንተሎ፥ ፋሲካ እንተ ዘየብዓለ፥ መባእ እግዚኣብሄር በቲ ምዱብ ጊዜ ስለ ዘየቕረበ፥ ካብ ህዝቡ ይፈለ። እቲ ሰብ እቱይ ሓጢኣቱ ኽፀውር እዩ።
ስለዙይ ከዓ እየ፥ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም ዝበልኩኹም። ኣነ ንሱ ምዃነይ እንተ ዘይኣሚንኩም፥ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም” በሎም።
ንወዲ እግዚኣብሄር ዝረገፀ፥ ነቲ ዝተቐደሰሉ ደም ኪዳን ድማ ዘርከሰ፥ ነቲ ፀጋ ዝህብ መንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግዳ፥ ክንደይ ዝገደደ ቕፅዓት ዝግብኦ ይመስለኩም!
እዙይ እቲ ዘመን ምሕዳስ ክሳዕ ዝመፅእ ዝግበር፥ ናይ ብልዕን መስተን፥ ናይ በብዓይነቱ ዝኾነ፥ ናይ ምንፃህ ኣፍኣዊ ስርዓት ጥራሕ እዩ ነይሩ።
እቶም ፈራሓትን፥ ዘይኣምኑን፥ ርኹሳትን፥ ቀተልቲ ሰብን፥ ኣመንዝራታትን፥ ጠንቈልትን፥ መምለኽቲ ጣዖትን፥ ኵሎም ሓሰውትን ግና፥ ክፍሎም ኣብቲ ብሓዊን ዲንን ዝነድድ ቃላይ እዩ፤ እዙይ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ” በለኒ።
እቲ ገፋዒ ይግፋዕ፤ እቲ ርኹስ ይርከስ፤ እቲ ፃድቕ ይፅደቕ፤ እቲ ቕዱስ ይቀደስ” በለኒ።
እቶም ኣኽላባት ዝኾኑ፥ ጠንቈልቲ፥ ኣመንዝራታት፥ ቀተልቲ ሰብ፥ መምለኽቲ ጣዖት፥ ሓሰት ዝፈትዉን ዝገብሩን ኵሎም ግና፥ ካብታ ኸተማ ወፃኢ ክኾኑ እዮም።