10 ሓሙዅሽቲ እታ ዓርሒ ዝኣከበ ሰብ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኸውን። እዙይ ንደቂ እስራኤልን ኣብ ማእኸሎም ንዝነብር ጓናን፥ ንዘለኣለም ፀኒዑ ዝነብር ሕጊ እዩ።
ንወዲ ዓድን ኣብ ማእኸልኩም ንዝነብር ጓናን፥ ሓደ ሕጊ ይኹን” በሎም።
ነፍሲ ወከፍ ገምቢኦም ዘልዓለ ኸዓ፥ ክዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን።
በተን እታ ገዛ እትዕፀወለን ኵለን መዓልቲታት ዝኣተዋ ሰብ ድማ፥ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።
እቲ ዘቃፀሎም ሰብ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ እውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ድሕሪዙይ ናብ ሰፈር ይእቶ።
እቲ ንፁህ ኣብ ልዕሊ እቲ ርኹስ በታ ሳልሰይቲ መዓልትን በታ ሻውዐይቲ መዓልትን ይንፀገሉ፤ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ንፁህ ክኸውን እዩ። እቲ ዝነፅህ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓፀብ፤ ምሸት ከዓ ንፁህ ክኸውን እዩ።
እዙይ ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ ይኹነልኩም። “እቲ ማይ ምንፃህ ዝነፀገ ሰብ ከዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ እቲ ማይ ምንፃህ ዝነኽአ ድማ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።
ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፥ ኣብኡስ ግሪካውን ኣይሁዳውን፥ ግሩዝን ዘይግሩዝን፥ ዝሰልጠነን ዘይሰልጠነ ኣረማውን፥ ባርያን ጭዋን ዝብል፥ ኣፈላላይ የለን።