Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 18:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊ እቲ ናባይ ዝቐርብ መስዋእቲ ስልጣን ሂበካ ኣለኹ። ኵሉ እቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ቅዱስ መስዋእቲ ኸም ብፅሒትኩም ገይረ ንኣኻን ንደቅኻን ሂበኩም ኣለኹ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 18:8
32 Referencias Cruzadas  

እቲ ኽንዲ መስዋእቲ በደልን ክንዲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዝኽፈል ገንዘብ ንኻህናት ደኣ ኾነ እምበር ናብቲ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ሳፁን ኣይኣተወን።


እቲ ንጉስ ከዓ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከምቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ዝእዝዞ ኣብ ኣገልግሎቶም ምእንቲ ኽፀንዑ፥ ግደኦም ክህብዎም ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ህዝቢ ኣዘዞም።


እዝ ትእዛዝ እዙይ ምስ ወፀ ድማ፥ ደቂ እስራኤል ካብ እኽልን ካብ ወይንን ዘይትን መዓርን ካብ ኵሉ እቶት ገራሁን በዅራት ኣብዚሖም ሃቡ፤ ናይ ኵሉ ኣስራትውን ኣብዚሖም ሃቡ።


ኣሮንን ደቁን ከይብድሉ እሞ ኸይሞቱ፥ ናብታ ኣነ ዝርከበላ ድንኳን ክኣትዉ እንተለዉ፥ ወይ ኣብ መቕደስ ከገልግሉ ናብ መሰውኢ ኽቐርቡ እንተለዉ ይተዓጠቕዎ። “እዙይ ንኣሮንን ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡን ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ ይኹን።


ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ደምን፥ ካብቲ ዘይቲ መቕብእን ወሲድካ ድማ፥ ኣብ ኣሮንን ኣብ ኣልባሱን፥ ኣብ ደቁን ኣብ ኣልባስ ደቁን ንፀጎ። ሽዑ ንሱን ኣልባሱን ኣልባስ ደቁን ክቕደሱ እዮም።


እዙይ ኣሮንን ደቁን ካብ ደቂ እስራኤል ዝቕበልዎ ብፅሒት ንዘለኣለም ሕጊ ይኹን። እዝ ብፅሒት እዙይ፥ ካብቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ዝለዓል መስዋእቲ ምስጋና እዩ።


“እቲ ኣሮን ዝኽደኖ ቅዱስ ኣልባስ፥ ብእኡ ምእንቲ ኽቕብኡን ክህነት ምእንቲ ኽቕበሉን፥ ብድሕሪ ሞቱ ናብ ደቁ ይሕለፍ።


ንኣሮን እቲ ቅዱስ ልብሲ ኸዲንካ ድማ፥ ካህነይ ክኸውን፥ ቅብኣዮን ቀድሶን።


ነቦኦም ከም ዝቐባእኻዮ፥ ንኣኣቶም ድማ ኻህናተይ ክኾኑኒ ቕብኣዮም። እዙይ ንውሉድ ወለዶኦም፥ ብኽህነት ከገልግሉኒ ዘለኣለማዊ ምቕባእ ይኹነሎም።”


በታ መዓልቲ እቲኣ ፆሩ ኻብ ማእገርኩም፥ ነርዑቱ ድማ ኻብ ክሳድኩም፥ ከውርዶ እዩ። እቲ ኣብ ክሳድኩም ዘሎ ኣርዑት ከዓ፥ ካብ ምርጓዱ ዝተልዓለ ኽስበር እዩ” ይብል ኣሎ።


እቲ ኣብ ኣሕዋቱ ሊቀ ካህናት ክኸውን ኣብ ርእሱ ቕብኣት ዘይቲ ዝፈሰሶ፥ ናይ ክህነት ኣልባስ ክለብስ ድማ ዝተቐደሰ፥ ካብ ኣሕዋቱ ዝተፈለየ ካህን፥ ርእሱ ኣይቕላዕ፤ ክዳኑውን ኣይቕደድ።


እቲ ኻህን ድማ ንኣኣቶም ምስቲ ሕብስቲ በዅራትን ምስ ክልቲኦም ጡበታት ኣባጊዕን ገይሩ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞም። ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ፥ ብፅሒት ነቲ ኻህን ድማ ይኹኑ።


እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ። ቅጫ ኾይኑ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይበላዕ። ኣብ ቅፅሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኖም ይብልዕዎ።


ካብ ደቂ ኣሮን ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ይብልዓዮ። እዙይ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእትታት ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም ግደኦም ይኹን። ነፍሲ ወከፍ ዝነኽኦውን ቅዱስ ይኸውን።


በታ ኣሮንን ደቁን ዝቕብኡላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ መስዋእቲ እዙይ እዩ፦ ከምቲ ዅልሻዕ ዘቕርብዎ ቝርባን እኽሊ፥ ሓደ ኺሎ ልሑም ሕሩጭ ይኹን። ፍርቁ ጊሓት፥ ፍርቁ ኸዓ ምሸት፥


እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስውኦ ካህን ይብልዓዮ፤ ኣብቲ ቅዱስ ቦታ፥ ኣብ ቅፅሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይበላዕ።


ካብ ነፍሲ ወከፍ መስዋእቲ ሕብስቲ፥ ሓደ ሕብስቲ ኣልዒሉ ንእግዚኣብሄር የቕርብ። እዙይ ንደም እቲ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ እንስሳ ዝነፅግ ካህን ይኹን።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦


ካብ ስድራ ኻህን ተባዕታይ ዝኾነ ይብልዓዮ፤ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይብልዕዎ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።


ሙሴ ድማ ኻብቲ መቕብኢ ዘይትን ካብቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዝነበረ ደምን ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ኣብ ልዕሊ ኣልባሱን ኣብ ልዕሊ ደቁን ኣብ ልዕሊ ኣልባስ ደቁን ነፀገ። ንኣሮንን ንኣልባሱን ንደቁን ነልባሳት ደቁን ከዓ ኸምዙይ ገይሩ ቐደሰ።


እቲ ኻብ ሓዊ ዝተረፈ ኽፍሊ ናይቲ ፍፁም ቅዱስ መባእ ንኣኻ ይኹን። እቲ ዘቕርቡለይ ፍፁም ቅዱስ ዝኾነ ዅሉ መባኦም፥ ኵሉ ናይ እኽሊ መስዋእቶምን፥ ኵሉ ኽንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቶምን፥ ኵሉ ኽንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቶምን ንኣኻን ንደቅኻን ዝተቐደሰ ይኹን።


ኵሉ እቲ ደቂ እስራኤል ናብ ካህን ዘምፅእዎ ቅዱስ መባእ ንእኡ ይኹን።


ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉ፥ ካብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ከም ዝምገቡ፥ እቶም ኣብ መሰውኢ ዘገልግሉ ድማ፥ ካብቲ መስዋእቲ ኸም ዝካፈሉ፥ ኣይትፈልጡን ዲኹም?


ሽዑ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ፥ ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ኣስራትኩምን ዝለዓል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተመባፃዕኹምዎ ሕሩይ መብፅዓኹምን ናብኣ ኣምፅኡ።


ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ኣስራትኩምን ዝለዓል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን ናይ መብፅዓኹምን ብፍታውኩም እተቕርብዎ መባእኹምን በዅሪ ኸፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ኣጣልኩምን ናብኣ ኣምፅኡ።


“ነቶም ካብ ነገድ ሌዊ ዝኾኑ ኻህናት ሌዋውያን ኣብ እስራኤል ግደን ርስትን ኣይሃልዎም፤ ክንድኡ ግና ነቲ ብሓዊ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእትን መባእን ይመገቡ፤ ንሱ ርስቶም እዩ እሞ።


ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ‘ነቲ ዝተቐደሰ ኣስራት ካብ ገዛና ኣውፂእና፥ ከምቲ ዝኣዘዝካና ዅሉ ትእዛዛትካ፥ ንሌዋዊን ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ሂብና ኣለና፤ ካብ ትእዛዛትካ ሓደ እኳ ኣየጕደልናን፤ ኣይረሳዕናንውን።


ፅድቂ ፈተኻ፤ ዓመፅውን ፀላእኻ፤ ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ሕልፊ ብፆትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ” ይብል።


ንስኻትኩም ግና፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢእኹም ኢኹም፤ ንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም።


ንስኻትኩም ግና፥ እቲ ኻብ ክርስቶስ ዝተቐበልኩምዎ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣባኻትኩም ይነብር እዩ እሞ፥ ሓደኳ ኽምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ። መንፈስ ቅዱስ፥ ብዛዕባ ዅሉ ኽምህረኩም እዩ፤ ትምህርቱ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ሓሰት ኣይኮነን። እምበኣር ከምቲ ዝመሃረኩም፥ ኣብ ክርስቶስ ፀኒዕኹም ንበሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos