5 “ቍጥዓይ ተመሊሱ ናብ ህዝቢ እስራኤል ከይመፅእ ንስኻትኩም ኣብ መቕደስን ኣብ መሰውእን ሓለፍቲ ዄንኩም ኣገልግሉ።
እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታት ነበሩ። ዕድሜኣቶም ልዕሊ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ኣብ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ይሰርሑ ነበሩ። ኵሎም በብስሞም ኣብ መዝገብ ዝተፅሓፉ ደቂ ሌዊ ነበሩ።
እቶም ሌዋውያን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ነቲ መቕደስን ክሕልዉ፥ ነቲ ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝገብርዎ ኣገልግሎትውን ክሕግዙ፥ ተመዲቦም ነበሩ።
ካብ ደቂ ኣልኣዛር ኮነ ኻብ ደቂ ኢታምር መመሓደርቲ ቤተ መቕደስን ኣገልገልቲ እግዚኣብሄርን ነበሩሞ፥ እዚኣቶምን እቲኣቶምን ብዕፃ ተመደቡ።
ሰሎም ከዓ ወዲ ቆሬ፥ ወዲ ኣብያሳፍ፥ ወዲ ቆሬ፥ ምስቶም ካብ ቤት ኣቦኡ ዝኾኑ ኣሕዋቱ ቆሬያውያን ኣብ ስራሕ ኣገልግሎት ሓለውቲ ልዳውቲ ድንኳን ነበሩ፤ ኣቦታቶምውን ኣብ ሰፈር እግዚኣብሄር ሓለውቲ ኣፍ ደገ ነይሮም እዮም።
ንሳቶምን ደቆምን ከዓ ነቲ ደገታት ድንኳን ተብሂሉ ዝፅዋዕ ዝነበረ ቤት እግዚኣብሄር ይሕልዉ ነበሩ።
ገሊኣቶም ሌዋውያን ከዓ መዘምራን ነበሩ። ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ከዓ ኣብቲ ኽፍልታት ቤተ መቕደስ ይነብሩ ነበሩ። ለይትን መዓልትን ብስራሖም ፅሙዳት ዝነበሩ፥ ካብ ካልእ ኣገልግሎት ነፃ ነበሩ።
ኣብቲ ድንኳን፥ ብወፃኢ እቲ መጋረጃ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ፅላት ሒዙ ዘሎ ታቦት፥ ኣሮንን ደቁን ካብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት፥ ነቲ መብራህቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከም ዝበርህ ይግበርዎ። እዙይ ኣብ ደቂ እስራኤል፥ ንውሉድ ወለዶኦም ናይ ዘለኣለም ሕጊ ይኹን።
“ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዞም ነቢያት እዚኣቶም ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ነቢያት ኢየሩሳሌም ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ርኽሰት ተባፂሑ እዩሞ፥ ዕረ ኸብልዖም እየ፤ ዝመረረ ሓሞትውን ከስትዮም እየ።”
“እቶም ደቂ እስራኤል ካባይ ክርሕቑ እንተለዉ፥ ንምሕላው መቕደሰይ እተፀምዱ፥ ካብ ወገን ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናት ደቂ ሳዶቅ ከገልግሉኒ ኢሎም ክቐርቡኒ፥ ስብሕን ደምን ክስውኡለይ፥ ኣብ ቅድመይ ዝቖሙ እዚኣቶም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ንሳቶም ናብ መቕደሰይ ክኣትዉ፥ ከገልግሉንስ ናብ ማእደይ ክቐርቡ፥ ንኣገልግሎተይውን ክመርፁ እዮም።
ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን፥ ንኣልኣዛርን ንኢታምርን “ከይትሞቱ፥ ነዝ ህዝቢ እውን እግዚኣብሄር ከይቝጥዖ፥ ብሓዘን፥ ፀጕሪ ርእስኹም ኣይትላፅዩ፤ ክዳውንትኹምውን ኣይትቕደዱ፤ በዝ እግዚኣብሄር ዘቃፀሎ ምቅፃል ኣሕዋትኩም ድማ፥ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ይብከ።
ኣሮን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ብወፃኢ እቲ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ዘሎ መጋረጃ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት ዅልሻዕ የብርሃዮ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።
ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊ ጓሶት ነደደ፤ ነቶም ዲበላታትውን ክቐፅዖም እየ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንመጓሰኡ ቤት ይሁዳ ተመልኪትዎ እዩ፤ ኣብ ጊዜ ውግእውን፥ ከም ናይ ክብሩ ፈረስ ክገብሮም እዩ።
ክንድኡ ኣብ ልዕሊ እቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዅሉ ኣቑሑኡን፥ ኣብ ልዕሊ ናቱ ዝኾነ ሓለፍቲ ጌርካ መድቦም። ንሳቶም ነቲ ድንኳንን ንዅሉ ኣቑሑኡን ይፁሩ። ንእኡ ኸዓ የገልግሉ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ድማ ይስፈሩ።
ግና ኣብ ህዝቢ እስራኤል ቍጥዓ ምእንቲ ኸይወርድ፥ ሌዋውያን ኣብ ዙርያ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይስፈሩ፤ ነቲ ድንኳን ከዓ ይሓልውዎ።”
ሙሴ ኸዓ ንኣሮን “ካብ እግዚኣብሄር፥ ቍጥዓ ወሪዱ፥ መዓት ጀሚሩ እዩ እሞ፥ ፅንሃህካ ወሲድካ ኻብ መሰውኢ ሓዊ ግበረሉ፤ ዕጣን ከዓ ኣእትወሉ፤ ቀልጢፍካ ድማ ናብቲ ህዝቢ ኺድ እሞ፥ ሓጢኣቶም ኣስተስርየሎም” በሎ።
ኣብ ኵሉ ኣገልግሎት ድንኳን ምሳኻ ዀይኖም፥ ንመራኸቢ ድንኳን ይሓልዉ፤ ካልእ ሰብ ግና ናባኻትኩም ኣይቕረብ።
“ንዓሌታት ቃዓት ካብ ማእኸል ሌዋውያን ኣይተጥፍእዎም፤ ናብ ጥቓ እቲ ቅዱሰ ቅዱሳን ነገር ብምቕራብ ከይሞቱ ኸምዙይ ግበሩሎም፤ ምእንቲ ተቐሲፎም ከይሞቱ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ንነፍሲ ወከፎም ሰስራሖምን ፆሮምን የመልክትዎም።
ደቂ እስራኤል ናብ መቕደስ ብምቕራቦም መዓት ምእንቲ ኸይወርዶም፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክንዲ ደቂ እስራኤል ከገልግሉ፥ ንደቂ እስራኤል ድማ ምእንቲ ኸስተስርዩሎም፥ ንሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ፈልየ ንኣሮንን ንደቁን ውህብቶ ገይረ ሂበዮም ኣለኹ።”
“ንኣሮን ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦ፦ ነተን ሸውዓተ ቐናዲል ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዲል ክተቐምጠን እንተለኻ ናብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከም ዝበርሃ ግበር።”
ጢሞቴዎስ ወደይ፥ ኣብቲ ዝተነግረልካ ናይ ትንቢት ቃላት ተመስሪተ፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ሓደራ እህበካ ኣለኹ። ነቲ ዝተነገረካ ቓል ኣፅኒዕኻ ሓዞ፤ ተቢዕኻውን ሰናይ ገድሊ ተጋደል።
እንተ ደንጐኹ ግና፥ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብታ ናይ ሓቂ ዓምድን መሰረትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ህያው እግዚኣብሄር፥ ከመይ ምንባር ከም ዝግባእ ንኽትፈልጥ፥ ፅሒፈልካ ኣለኹ።
ብዘይ ኣፈላላይን ብዘይ ኣድልዎን፥ ነዝ ምዕዶዙይ ክትሕሉ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን፥ ኣማሕፅነካ ኣለኹ።
ኦ ጢሞቴዎስ፥ ነቲ ዅሉ ብሕድሪ ዝተውሃበካ ሓልዎ። ካብቲ ብጌጋ “ፍልጠት” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ዓለማዊ ኸንቱ ልፍለፋን፥ ዝጋጮ ሓሳባትን፥ ረሓቕ።