29 ፍሉይ መስዋእቲ ኽተቕርቡለይ እንተለኹም ካብቲ ዝተውሃበኩም እቲ ዝበለፀ ኣቕርቡለይ።
ኣቦኻትኩምን ስድራኹምን ሒዝኩም ድማ ናባይ ምፁ። ካብ ምድሪ ግብፂ ድማ እቲ ዝበለፀ ኽህበኩም እየ። ስብሒ እዛ ምድሪ እዚኣውን ክትበልዑ ኢኹም።’
እዙይ ኣሮንን ደቁን ካብ ደቂ እስራኤል ዝቕበልዎ ብፅሒት ንዘለኣለም ሕጊ ይኹን። እዝ ብፅሒት እዙይ፥ ካብቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ዝለዓል መስዋእቲ ምስጋና እዩ።
ንስኻትኩም ድማ ኸምኡ ኻብቲ ኻብ ደቂ እስራኤል እትወስድዎ ዅሉ ዓስራትኩም ንእግዚኣብሄር ፍሉይ መስዋእቲ ኣቕርቡለይ፤ ካብኡ እቲ ፍሉይ መስዋእተይ ንኻህን ኣሮን ሃብዎ።
ከምዙይ ድማ በሎም፦ ካብኡ እቲ ዝበለፀ ምስ ኣቕረብኩም፥ ንሌዋውያን ከምቲ እቶት ዓውድን ከም እቶት መፅመቝን ይቝፀረሎም።