26 ንሌዋውያን ከምዙይ በሎም፦ ካብ ደቂ እስራኤል እቲ ኸም ርስትኹም ገይረ ዝሃብኩኹም ዓስራት ምስ ወሰድኩም፥ ካብኡ ንእግዚኣብሄር ዝለዓል ፍሉይ መስዋእቲ ጌርኩም፥ ካብቲ ዓስራት፥ ዓስራት ኣቕርቡለይ።
ሌዋውያን ዓስራት ክወስዱ እንተለዉ ድማ፥ ሓደ ኻህን ወዲ ኣሮን፥ ምስቶም ሌዋውያን ይሃሉ። እቶም ሌዋውያን ድማ ናይቲ ዓስራት ዓስራዩ የልዕሉ እሞ ናብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ናብቲ ኽፍልታት ቤተ መዛግብቲ የእትዉ።
እቶም ደቂ እስራኤልን ደቂ ሌዊን ከዓ ናይ እኽልን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ዝለዓል መስዋእቲ ናብቲ ቤት መዛግብቲ እዮም ዘምፅእዎ፤ ኣብኡ ኸዓ እቲ ኣቑሑ ቤተ መቕደስን እቶም ዘገልግሉ ኻህናትን ሓለውቲ ደገታትን ዘመርትን እዮም ዘለዉ። እምበኣር ቤት ኣምላኽና ኸቶ ኣይንሓድግን ኢና።”
ካብቲ ቐዳማይ ብዅዕኹም ድማ ንውሉድ ወለዶኹም ዝለዓል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ሃቡ።
“ንደቂ ሌዊ ድማ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ንዝህብዎ ኣገልግሎት፥ እንሆ፥ ኵሉ እቲ ደቂ እስራኤል ዝህብዎ ዓስራት፥ ብፅሒቶም ገይረ ሂበዮም ኣለኹ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
እዝ ዝለዓል መስዋእትኹም ድማ ኸምቲ ሓረስታይ ካብ ዓውዱ ዘቕርቦ ስርናይን ካብ መፅመቚ ወይኑ ዘቕርቦ ወይንን ክቝፀረልኩም እዩ።
እቶም ክህነት ዝቕበሉ ደቂ ሌዊ ግና፥ ካብ ህዝቢ፥ ካብቶም ኣሕዋቶም ዝኾኑ ደቂ ኣብርሃም፥ ኣስራት ክወስዱ ሕጊ ሙሴ ይእዝዝ።