25 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
‘ሌዋውያን ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣይሃልዎም’ ዝበልኩ፥ እቲ ደቂ እስራኤል ንኣይ ፍሉይ መስዋእቲ ዝህብዎ ዓስራት ንኣኣቶም ርስቲ ስለ ዝሃብክዎም እዩ።”
ንሌዋውያን ከምዙይ በሎም፦ ካብ ደቂ እስራኤል እቲ ኸም ርስትኹም ገይረ ዝሃብኩኹም ዓስራት ምስ ወሰድኩም፥ ካብኡ ንእግዚኣብሄር ዝለዓል ፍሉይ መስዋእቲ ጌርኩም፥ ካብቲ ዓስራት፥ ዓስራት ኣቕርቡለይ።