Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 18:24 - መፅሓፍ ቅዱስ

24 ‘ሌዋውያን ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣይሃልዎም’ ዝበልኩ፥ እቲ ደቂ እስራኤል ንኣይ ፍሉይ መስዋእቲ ዝህብዎ ዓስራት ንኣኣቶም ርስቲ ስለ ዝሃብክዎም እዩ።”

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 18:24
10 Referencias Cruzadas  

ሌዋውያን ዓስራት ክወስዱ እንተለዉ ድማ፥ ሓደ ኻህን ወዲ ኣሮን፥ ምስቶም ሌዋውያን ይሃሉ። እቶም ሌዋውያን ድማ ናይቲ ዓስራት ዓስራዩ የልዕሉ እሞ ናብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ናብቲ ኽፍልታት ቤተ መዛግብቲ የእትዉ።


ሽዑ ድማ ዅሎም ህዝቢ ይሁዳ ኻብ እኽልን ወይንን ዘይትን ዓስራት ናብቲ መዝገብ ኣምፅኡ።


ኵሉ ዓስራት ምድሪ፥ ወይ ዘርኢ ምድሪ ወይ ፍረ ኦም፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ እዩ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦


ንሌዋውያን ከምዙይ በሎም፦ ካብ ደቂ እስራኤል እቲ ኸም ርስትኹም ገይረ ዝሃብኩኹም ዓስራት ምስ ወሰድኩም፥ ካብኡ ንእግዚኣብሄር ዝለዓል ፍሉይ መስዋእቲ ጌርኩም፥ ካብቲ ዓስራት፥ ዓስራት ኣቕርቡለይ።


እቶም ዝተቘፀሩ ደቂ ተባዕትዮ ዝኾኑ፥ ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ኮኑ። ምስ ደቂ እስራኤል ርስቲ ስለ ዘይተውሃቦም ምስ ደቂ እስራኤል ኣይተቘፀሩን።


ስለዙይ ሌዊ ምስ ኣሕዋቱ ግደ ወይ ርስቲ የብሉን። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተዛረቦ ርስቱ እግዚኣብሄር እዩ።


“በታ ዓመት ኣስራት ዝኾነት ሳልሰይቲ ዓመት፥ ኣስራት ኵሉ እቶትኩም ምስ ኣውፃእኹም፥ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም በሊዖም ክፀግቡስ፥ ንሌዋዊን ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ሃብዎም።


ንነገድ ሌዊ ግና ርስቲ ኣይሃቦምን፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ርስቶምስ እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos