Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 18:23 - መፅሓፍ ቅዱስ

23 ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግሉን ሓላፍነት ዘለዎምን ሌዋውያን እዮም። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ድማ ርስቲ ኣይካፈሉ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 18:23
10 Referencias Cruzadas  

ኣብቲ ድንኳን፥ ብወፃኢ እቲ መጋረጃ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ፅላት ሒዙ ዘሎ ታቦት፥ ኣሮንን ደቁን ካብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት፥ ነቲ መብራህቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከም ዝበርህ ይግበርዎ። እዙይ ኣብ ደቂ እስራኤል፥ ንውሉድ ወለዶኦም ናይ ዘለኣለም ሕጊ ይኹን።


እቶም ብስሕተት እስራኤል ካባይ ዝረሓቑ፥ ንጣዖታቶም ክስዕቡ ኻባይ ዝረሓቑ ሌዋውያን ግና፥ ሓጢኣቶም ክፆሩ እዮም።


እግዚኣብሄር ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ናይ ቤተ መቕደስ ሓጢኣት፥ ንስኻን ደቅኻን ሌዋውያንን ክትፆሩ ኢኹም፤ ናይ ክህነትኩም ሓጢኣት ድማ፥ ንስኻን ደቅኻን ክትፆሩ ኢኹም።


እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ኣብ ምድሮም ርስቲ ኣይሃሉኻ፤ ኣብ ማእኸሎምውን ርስቲ ኣየሃሉኻ፤ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ብፅሒትካን ርስትኻን ኣነ እየ።


እዙይ ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ ይኹነልኩም። “እቲ ማይ ምንፃህ ዝነፀገ ሰብ ከዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ እቲ ማይ ምንፃህ ዝነኽአ ድማ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።


እቶም ዝተቘፀሩ ደቂ ተባዕትዮ ዝኾኑ፥ ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ኮኑ። ምስ ደቂ እስራኤል ርስቲ ስለ ዘይተውሃቦም ምስ ደቂ እስራኤል ኣይተቘፀሩን።


ንሳቶም ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን እናገልገሉ ሓላፍነት ኣሮንን ሓላፍነት ህዝቢ እስራኤልን ይፈፅሙ።


እዙይ ኣብ ኵሉ እትነብርዎ ሃገር፥ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ፍርዲ ይኹነልኩም።


ስለዙይ ሌዊ ምስ ኣሕዋቱ ግደ ወይ ርስቲ የብሉን። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተዛረቦ ርስቱ እግዚኣብሄር እዩ።


ንነገድ ሌዊ ግና ርስቲ ኣይሃቦምን፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ርስቶምስ እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos