2 ንስኻን ደቅኻን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክተገልግሉ እንተለኹም ምእንቲ ኽሕግዙኹም ነቶም ዓሌትካ ዝኾኑ ሌዋውያን ናባኻ ኣቕርቦም።
መሊሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት፤ “ሰለስተ ኣወዳት ወሊደሉ እየ እሞ፥ ሕዝስ ሰብኣየይ ናባይ ክፅጋዕ እዩ” እንትትብል፥ “ሌዊ” ኢላ ሰመየቶ።
ከምቲ ሕጊ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ሙሴ፥ በብስርዓቶም ቆሙ፤ እቶም ካህናት ካብ ኢድ ሌዋውያን ተቐቢሎም ነቲ ደም ይነፅጉ ነበሩ።
ኣብ ደገታት እታ ቤት ከዓ ሓለውቲ ክኾኑ፥ ኣብታ ቤት ከገልግሉስ፥ ኣብ መቕደሰይ ኣገልገልቲ ክኾኑ እዮም፤ ንሳቶም ንዝቃፀል መስዋእቲ ምሕራርን ንመስዋእቲ እቲ ህዝብን ክሓርዱ ምእንቲ ኸገልግልዎም ከዓ ኣብ ቅድሚኣቶም ክቖሙ እዮም።
“እቶም ደቂ እስራኤል ካባይ ክርሕቑ እንተለዉ፥ ንምሕላው መቕደሰይ እተፀምዱ፥ ካብ ወገን ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናት ደቂ ሳዶቅ ከገልግሉኒ ኢሎም ክቐርቡኒ፥ ስብሕን ደምን ክስውኡለይ፥ ኣብ ቅድመይ ዝቖሙ እዚኣቶም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
እቲ ምስ ሌዊ ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን ምእንቲ ኽፀንዕ ኢለ፥ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ከም ዝለኣኽክዎ ትፈልጡ ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ግና ኣብ ህዝቢ እስራኤል ቍጥዓ ምእንቲ ኸይወርድ፥ ሌዋውያን ኣብ ዙርያ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይስፈሩ፤ ነቲ ድንኳን ከዓ ይሓልውዎ።”
ካብ ዘርኢ ኣሮን ዘይኮነ ጓና ሰብ ክዓጥን ኢሉ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣይቕረብ። እንተ ቐረበ ግና ኸም ቆሬን ከም ሰዓብቱን ክኸውን እዩ። እዙይ ንደቂ እስራኤል መዘከርታ ይኹን። እዝ ዅሉ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ እዩ።
ሙሴ ድማ ነተን ኣብትርቲ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበረን።
ኣብ ኵሉ ኣገልግሎት ድንኳን ምሳኻ ዀይኖም፥ ንመራኸቢ ድንኳን ይሓልዉ፤ ካልእ ሰብ ግና ናባኻትኩም ኣይቕረብ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
“ኣሮንን ደቁን ነቲ መቕደስን ኣቑሑ ዅሉ ንዋያተ ቕድሳቱንውን ሸፊኖም ምስ ወድኡ፥ ካብቲ ሰፈር እንትለዓሉ ድማ፥ ደቂ ቃዓት ክፆሩ ይምፅኡ። ከይሞቱ ግና፥ ነቲ ንዋየ ቅድሳት ኣይንክእዎ። ምፅዋር እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ሓላፍነት ደቂ ቃዓት እዩ።
ደቂ እስራኤል ናብ መቕደስ ብምቕራቦም መዓት ምእንቲ ኸይወርዶም፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክንዲ ደቂ እስራኤል ከገልግሉ፥ ንደቂ እስራኤል ድማ ምእንቲ ኸስተስርዩሎም፥ ንሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ፈልየ ንኣሮንን ንደቁን ውህብቶ ገይረ ሂበዮም ኣለኹ።”
ድሕሪዙይ ሌዋውያን ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣገልግሎቶም ክፍፅሙ ኣተዉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝኣዘዞ ከምኡ ገበሩሎም።
ከምዙይ ኮይኑ ምስተዳለወ፥ እቶም ካህናት ኵልሻዕ፥ ኣብቲ ናይቲ ድንኳን ቀዳማይ ክፍሊ፥ ኣገልግሎቶም ክፍፅሙ ይኣትዉ ነበሩ።