Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 18:19 - መፅሓፍ ቅዱስ

19 ነቲ ዅሉ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ ቅዱስ ዝኾነ ፍሉይ መስዋእቲ፥ ንኣኻን ነወዳትካን ነጓላትካን፥ ስርዓት ዘለኣለም ገይረ ሂበካ ኣለኹ። ንሱ ንኣኻን ንዘርእኻን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዝነብር ኪዳን ጨው እዩ።”

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 18:19
15 Referencias Cruzadas  

እቲ ኽንዲ መስዋእቲ በደልን ክንዲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዝኽፈል ገንዘብ ንኻህናት ደኣ ኾነ እምበር ናብቲ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ሳፁን ኣይኣተወን።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንዳዊትን ንደቁን፥ ንዘለኣለም ዘይድምሰስ ናይ ጨው ቃል ኪዳን ከም ዝሃቦምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?


እቲ ንጉስ ከዓ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከምቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ዝእዝዞ ኣብ ኣገልግሎቶም ምእንቲ ኽፀንዑ፥ ግደኦም ክህብዎም ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ህዝቢ ኣዘዞም።


“ነቲ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም መስዋእቲ ዝቐርብ፥ ናይቲ ኽህነት ክወሃብ እንተሎ ዝሕረድ ማጕላ፥ ግደ ኣሮንን ደቁን ዝኾነ ሓኸለን እግርን ቀድሶ።


ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክተቕርቦ ኢኻ፤ እቶም ካህናት ድማ ጨው ክንስንሱሎም፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ከቕርቡሉ እዮም።


ንዅሉ ናይ እኽሊ ቝርባንካ ብጨው ኣመቅሮ፤ ኣብቲ ናይ እኽሊ መስዋእትኻ፥ ጨው ኪዳን ኣምላኽካ ኣይጕደል። ኣብ ኵሉ መስዋእትኻውን ጨው ኣቕርብ።


ካብቲ ፍፁም፥ ቅዱስ ዝኾነ፥ መስዋእቲ ኣምላኹ ግና ይብላዕ።


ካብ ነፍሲ ወከፍ መስዋእቲ ሕብስቲ፥ ሓደ ሕብስቲ ኣልዒሉ ንእግዚኣብሄር የቕርብ። እዙይ ንደም እቲ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ እንስሳ ዝነፅግ ካህን ይኹን።


“ኣብ ርእሲ እዙይ እቲ ኻብ መባኦም ዝለዓል ፍሉይ መስዋእትን፥ እቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርብዎ ዝውዝወዝ መስዋእትን፥ ንኣኻን ነወዳትካን ነዋልድካን ስርዓት ዘለኣለም ገይረ ሂበካ ኣለኹ። ኣብ ገዛኻ ዘሎ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ይብልዓዮ።”


እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊ እቲ ናባይ ዝቐርብ መስዋእቲ ስልጣን ሂበካ ኣለኹ። ኵሉ እቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ቅዱስ መስዋእቲ ኸም ብፅሒትኩም ገይረ ንኣኻን ንደቅኻን ሂበኩም ኣለኹ።


እዙይ ካብቲ ብፅሒቶም ንእግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ዝቐርብ መስዋእቲ ምእንቲ ክኸውን ንኻህን ኣልኣዛር ሃብዎ።


ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝወሃብ ግብሪ ንኻህን ኣልኣዛር ሃቦ።


“እቲ ዘለኩም ቅዱስ ነገርን መብፅዓኹምን ሒዝኩም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ ኺዱ።


ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ኣስራትኩምን ዝለዓል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን ናይ መብፅዓኹምን ብፍታውኩም እተቕርብዎ መባእኹምን በዅሪ ኸፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ኣጣልኩምን ናብኣ ኣምፅኡ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos