18 ስጋኦም ንኣኻ ይኹን። ከም ሓኸለ እቲ ዝውዝወዝ መስዋእትን የማናይ እግርን ንኣኻ ይኹን።
“ቀዳማይ ብሑቝናን፥ ናይ መስዋእቲ እኽልናን፥ ፍረ ዅሉ ዓይነት ኣእዋምን፥ ናይ ወይንን ናይ ዘይትን፥ ንኻህናት ኣስራት እናውፃእና ኽንህብ ኢና። ኣብ ኵሉ ሕርሻ እተን ከተማታትና ዓስራት ዝወስዱ ሌዋውያን እዮም እሞ፥ ናይ ምድርና ዓስራት ኽነምፅአሎም ምሒልና ኢና።
እቲ ሰራሒ ፀብሒ ኸዓ፥ ነቲ ስጋ ሰለፍን ነቲ ምስኡ ዝነበረን ኣምፂኡ፥ ኣብ ቅድሚ ሳኦል ኣንበሮ። ሳሙኤል ድማ “ነቲ ህዝቢ ካብ ዝፅውዕ ጀሚሩ ኽሳዕ እዛ ምድብቲ ጊዜ እዚኣ ንኣኻ ተቐሚጡልካ ነይሩ እዩሞ፥ ነቲ ዝተቐመጠልካ ኣብ ቅድሜኻ ተነቢሩልካ እዩሞ እንሆ ብልዓዮ” በሎ። ሳኦል ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ሳሙኤል በልዐ።