17 “በዅሪ ላሕምን በዅሪ በጊዕን በዅሪ ጤልን ግና ናተይ እዮም እሞ፥ ኣይቤዘውዎም፤ ንደሞም ኣብ መሰውኢ ንፀጎ፤ ስብሖም ከዓ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ብሓዊ ኣቃፂልካ ሰውአለይ።
ነቲ ማጕላ ኸዓ ሕረዶ፤ ነቲ ደሙውን ኣብ ኵሉ ወገን እቲ መሰውኢ ንፀጎ።
እቲ ኻህን ድማ ነቲ ደም ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ልዕሊ መሰውእየይ ይንፀጎ፤ ነቲ ስብሒ ድማ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን የቃፅሎ።
ካብ ሓደ ወርሒ ጀሚሩ ከም ግምትካ ተቤዘዎ፤ ግምቱውን ከም ሚዛን ቤተ መቕደስ ሓሙሽተ ሰቕሊ ብሩር ይኸውን፤ ንሱውን ዕስራ ኣቦሊ እዩ።”