16 ካብ ሓደ ወርሒ ጀሚሩ ከም ግምትካ ተቤዘዎ፤ ግምቱውን ከም ሚዛን ቤተ መቕደስ ሓሙሽተ ሰቕሊ ብሩር ይኸውን፤ ንሱውን ዕስራ ኣቦሊ እዩ።”
ዝተቘፀረ ዅሉ ብሚዛን መቕደስ ሽዱሽተ ግራም ብሩር ይኽፈል። እዝ ሽዱሽተ ግራም ብሩር ናባይ ዝቐርብ መባእ እዩ።
እቲ ንዅሉ ስራሕ ቤተ መቕደስ መስርሒ ክኸውን ዝተውሃበ ወርቂ፥ ሽሕ ኪሎ ግራም ኮነ።
“ሓደ ሰቕሊ ዕስራ ጌራ ዝሕዝ ይኹን፤ እቲ ምናን ከዓ፥ ዕስራ ሰቕሊ ዕስራን ሓሙሽተን ሰቕሊ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሰቕሊ፥ ምናን ይኹነልኩም።
ኵሉ ኣገማምታኻ ብሚዛን ሰቕሊ መቕደስ ይኹን። ሓደ ሰቕሊ ዕስራ ጌራ እዩ።
ኵሉ ማህፀን ዝኸፍት ሰብ ኮነ እንስሳ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ ንኣኻ ይኹን። ንበዅሪ ሰብ ኮነ ንበዅሪ ዘይንፁህ እንስሳ ግና ተቤዘዎ።
“በዅሪ ላሕምን በዅሪ በጊዕን በዅሪ ጤልን ግና ናተይ እዮም እሞ፥ ኣይቤዘውዎም፤ ንደሞም ኣብ መሰውኢ ንፀጎ፤ ስብሖም ከዓ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ብሓዊ ኣቃፂልካ ሰውአለይ።
ነቶም ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ካብ ቍፅሪ ሌዋውያን ሕልፊ ዝኾኑ፥
ሓሙሽተ ቕርሺ ብሩር ንነፍሲ ወከፍ እናኽፈልካ ተቤዘዎም።