14 “ኵሉ ኣብ እስራኤል ዝተሓረመ ንኣኻ ይኹን።
ንሳቶም ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን ይብልዕዎ፤ እስራኤል ዝሓረምዎ ዘበለውን ንኣኣቶም ይኹን።
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
ብዓመት ኢዮቤልዩ ሓራ ምስ ወፀት፥ እታ ግራት ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየት ቅድስቲ ትኹን፤ ርስቲ ኻህናት ከዓ ትኹን።
ሰብ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ይኹን ኢሉ ዝወፈዮ ዅሉ፥ ብገንዘብ ወይ ሰብ ወይ እንስሳ ወይ ግራት ርስቱ ኣይሸየጥ፤ ኣይቤዘዎውን። ዝተወፈየ ዅሉ ንእግዚኣብሄር ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።