12 “ካብቲ ኵሉ ንእግዚኣብሄር ዝህብዎ በዅራት፥ ካብ ዘይቲ፥ ካብ ወይኒ፥ ካብ እኽሊ ዘዝበለፀ ዅሉ ንኣኻ ሂበካ ኣለኹ።
እግዚኣብሄር ከዓ ጠሊ ሰማይን ስብሒ ምድርን፥ ብዝሒ እኽልን ወይንን ይሃብካ።
በዓልሻሊሻ ኻብ ዝበሃል ዓዲ ድማ ሓደ ሰብኣይ መፀ፤ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ናይ በዅራት እንጀራ፥ ዕስራ ጐጎ ስገምን ጥቡስ ሸዊት ስርናይን ኣብ ለቘታ ገይሩ ኣምፅአሉ። ንሱ ድማ “ክበልዕዎ ነዞም ህዝቢ ሃቦም” በሎ።
እዝ ትእዛዝ እዙይ ምስ ወፀ ድማ፥ ደቂ እስራኤል ካብ እኽልን ካብ ወይንን ዘይትን መዓርን ካብ ኵሉ እቶት ገራሁን በዅራት ኣብዚሖም ሃቡ፤ ናይ ኵሉ ኣስራትውን ኣብዚሖም ሃቡ።
ኣብ ወሰናትኪ ሰላም ገበረ፤ ብስብሒ ስርናይውን ኣፅገበኪ።
ስብሒ ስርናይውን መብልዖም ነይሩ፤ ካብ ኰዅሒውን መዓር መፅገቦም ነይሩ።”
“ካብ ምልኣት ማዕኸንካን ካብ መፅመቝ ወይንኻን መባእ ንምቕራብ ኣይትደንጒ። “ካብ ኣወዳትካ ነቲ በዅሪ ንኣይ ሃበኒ።
“ነቲ ዝበለፀ በዅሪ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣምፅኣዮ። “ንማሕስእ ብፀባ እኖኡ ኣይተብስሎ።
“እቲ ዝበለፀ በዅሪ ፍረ ምድሪኹም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣእትውዎ።” “ንማሕስእ ብፀባ እኖኡ ኣይተብስልዎ።”
ኵሉ በዅሪ ፍርያትኩምን፥ ኵሉ መባእኹም ዝኾነ ይኹን መባእ ዘበለን ንኻህናት ይኹን፤ ንቤትኩም በረኸት ምእንቲ ኽሓድራ፥ በዅሪ ሕሩጭኩም ብዛዕባኡ ሃቡ።
ከም መስዋእቲ ቐዳማይ ፍረ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕርብዎ፤ ግና ኸም ጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ ኣይቃፀል።
ካብ በዅሪ ፍርያትካ ንእግዚኣብሄር ቍርባን እኽሊ እንተ ኣቕረብካ፥ ዝተጠብሰ ሸዊት ሓሲኻን በቊፅካን ኣቕርብ።
ካብቲ እትገብርዎ፥ እናወዝወዝካ ዝቐርብ መስዋእቲ ብኽልተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ በዂዑ ዝተሰንከተ ኽልተ ሕብስቲ ንእግዚኣብሄር በዅራት ኣምፅኡ።
እቲ ኻህን ድማ ንኣኣቶም ምስቲ ሕብስቲ በዅራትን ምስ ክልቲኦም ጡበታት ኣባጊዕን ገይሩ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞም። ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ፥ ብፅሒት ነቲ ኻህን ድማ ይኹኑ።
“ካብቶም ብዕራይ ኮነ በጊዕ ዝስውኡ ህዝቢ ከዓ፦ ኢድን ምንጋጋን ከስዐን፥ ንኻህናት እዩ ዝግባእ።
እቶም ካህናት ምስ ደቆም ኵልሻዕ ብስም እግዚኣብሄር ንምግልጋል ክቖሙ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ኵሎም ነገዳትኩም ንኣኣቶም ሓርይዎም እዩ እሞ፥ ቀዳማይ ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን፥ ቀዳማይ ፀጕሪ በጊዕኹምንውን ንኣኣቶም ሃብዎም።
ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪኹም፥ እተእትውዎ ዅሉ መጀመርታ ፍረ ምድሪ ኣብ ከፈር ጌርኩም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንመሕደሪ ስሙ ዝሓረያ ቦታ ኺዱ።
ጠስሚ ላሕምን ፀባ በጊዕን ምስ ስቡሕ ማጕላን፥ ማጓሉ ባሳንን ኣጣልን ምስ ስብሒ ፍቱግ ስርናይ፥ ካብ ደም ኣስካል ከዓ ወይኒ ኣስተዮ።”