1 እግዚኣብሄር ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ናይ ቤተ መቕደስ ሓጢኣት፥ ንስኻን ደቅኻን ሌዋውያንን ክትፆሩ ኢኹም፤ ናይ ክህነትኩም ሓጢኣት ድማ፥ ንስኻን ደቅኻን ክትፆሩ ኢኹም።
ነዙይ ኣብ ግምባር ኣሮን ግበሮ። ኣሮን ድማ ነቲ ደቂ እስራኤል፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ውህብቶ ዅሉ ኸቕርቡ እንተለዉ ዝገብርዎ በደል ይፁር። ኣነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽቕበሎም ከዓ ዅልሻዕ ኣብ ግምባሩ ይፁሮ።
ድሕሪ ድኻም ነፍሱ፥ ብርሃን ክርኢ፥ ደስውን ክብሎ እዩ፤ እቲ ፃድቕ ባርያይ፥ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ከፅድቕ፥ ሓጢኣቶም ድማ፥ ባዕሉ ኽፀውር እዩ።
ኵላትና ኸም ዝተበታተና ኣባጊዕ ጠፋእና፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፥ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።”
“ደሓር ብፀጋማይ ጐንኻ ደቅስ፤ ኣብኡውን ንሓጢኣት ቤት እስራኤል ኣንብሮ፤ ክንዲ ቝፅሪ እተን ዝደቀስካለን መዓልቲታት ከዓ ሓጢኣቶም ክትፀውር ኢኻ።
“ስለ ምንታይ ኢኹም ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንኩም ዘይበላዕኹምዎ? ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ፤ በደል ህዝቢ እስራኤል ፆይርኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣቶም ክተስተስርዩሎም ኣምላኽ ሂቡኩም እዩ።
እቶም ካህናት ትእዛዛተይ ብምፍራስ ሓጢኣት ከይኾኖም፥ እንተ ኣርከስዎ ድማ ኸይሞቱስ፥ ትእዛዛተይ ይሓልዉ፤ ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ከም ቍፅሪ እተን ነታ ሃገር ዝሰለልኩምለን መዓልቲታት፥ ኣርብዓ ዓመት ዝገበርኩም፥ ሓንቲ ዓመት ክንዲ ሓንቲ መዓልቲ እናገበርኩም፥ ኣርብዓ ዓመት ሓጢኣትኩም ክትፆሩ ኢኹም፤ ቍጥዓይውን ኽትፈልጡ ኢኹም።
ንኣኻን ንዅሎም ኣሕዋትካ ደቂ ሌዊን ናብኡ ኣቕሪቡኩምስ ሕዚ ድማ ኽህነት ደሊኹም?
ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ዝቐረበ ዅሉ ይመውት ኣሎ፤ ኵልናዶ ኽንጠፍእ ኢና?” ኢሎም ተዛረብዎ።
ነንሹም ነገድ ቤት ኣቦታቶም ሓንቲ በትሪ ትሃልዎ፤ ስም ኣሮን ድማ ኣብ በትሪ ሌዊ ፀሓፍ።
ሙሴ ድማ ነተን ኣብትርቲ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበረን።
“ኣብ ርእሲ እዙይ እቲ ኻብ መባኦም ዝለዓል ፍሉይ መስዋእትን፥ እቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርብዎ ዝውዝወዝ መስዋእትን፥ ንኣኻን ነወዳትካን ነዋልድካን ስርዓት ዘለኣለም ገይረ ሂበካ ኣለኹ። ኣብ ገዛኻ ዘሎ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ይብልዓዮ።”
“ንነገድ ሌዊ ኣምፅኣዮም፤ ምእንቲ ኸገልግልዎ ድማ ናብ ኣሮን ካህን ኣቕርቦም።
በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንነገድ ሌዊ፥ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ክፆሩ፥ ንእኡ ንምግልጋል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንኽቖሙ፥ ብስሙ ንኽባርኹ እግዚኣብሄር ክሳዕ ሎሚ ንነገድ ሌዊ ፈለዮም።
ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቲ መልሲ ዘቕርቡ፥ ነቒሖም ምእንቲ ነፍስኹም ይተግሁ እዮም እሞ። ስለዙይ፥ ነዙይ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፥ ንኣኻትኩም ኣይጠቕመኩምን እዩ እሞ፥ ተሓጕሶም ከም ዝገብርዎ ግበሩ።
ከምዝ ኸማና ብዅሉ ዝተፈተነ እዩ፤ ግና ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ስለዙይ ብድኻምና ኽርህርሀልና ዘይኽእል ሊቀ ካህናት ኣይኮነን።
ንሓጢኣት ሞይትና፥ ንፅድቂ ምእንቲ ኽንነብር፥ ንሱ ባዕሉ፥ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብነቱ ፆሮ፤ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።
ሚካ ድማ ነቲ ሌዋዊ ቐደሶ፤ ንሱ ኻህኑ ኾነ፤ ኣብ ገዛኡ ኸዓ ተቐመጠ።