9 ሙሴ ኸዓ ንዅለን ኣብትርቲ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣውፂኡ ናብ ቅድሚ ዅሎም ደቂ እስራኤል ኣምፅአን፤ ሪኦም ድማ ነፍሲ ወከፍ በበትሩ ወሰደ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ነቶም ዓመፅቲ ምልክት ምእንቲ ኽትኮኖም፥ ንበትሪ ኣሮን፥ ኣብኡ ኽትሕሎ፥ ናብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ምለሳ፤ ነቲ ናባይ ምጕርምራሞም ከዓ ኸቋርፆ እየ። ንሳቶም ከዓ ኣይሞቱን እዮም” በሎ።
ሙሴ ንፅባሒቱ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣተወ፤ እንሆ ኸዓ በትሪ ኣሮን፥ እታ ናይ ቤት ሌዊ፥ ጠጢዓ፥ ቈፅሊ ኣውፂኣ፥ ዓምቢባ፥ ብሱል ለውዝ ፈርያ ፀንሐት።