6 ሙሴ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፤ ኵሎም ሹመኛታቶም ድማ ዓሰርተ ኽልተ ኣብትርቲ ሃብዎ። እተን ኣብትርቲ ኸዓ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሹም ነገድ ነበራ። በትሪ ኣሮን ድማ ኣብ ማእኸል ኣብትርቶም ነበረት።
“እቲ ዝፀሓፍካሉ በትሪ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣብ ኢድካ ክኸውን እዩ።
ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ከምዙይ እናበሉ ኣጕረምረሙ፦ “ኣብ ግብፂ ወይ ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ሞይትና እንተንኸውን መን ምሃበና?
ኣብ እግዚኣብሄር ደኣ ኣይትዓምፁ እምበር፥ ንሳቶም ከም እንጀራ ክኾኑልና እዮም እሞ፥ ንህዝቢ እታ ምድሪ እቲኣ ድማ ኣይትፍርሕዎም፤ ፅላሎም ካብኣቶም ተቐንጢጡ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ምሳና እዩ። ስለዙይ ኣይትፍርሕዎም” ኢሎም ተዛረብዎም።
በትሪ ናይቲ ዝሓረኽዎ ሰብ ክትጥጥዕ እያ። እቲ ደቂ እስራኤል ኣባኻትኩም ዘጕረምርምዎ ዘለዉ ድማ፥ ካባይ ከጥፍኦ እየ” በሎ።
ሙሴ ድማ ነተን ኣብትርቲ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበረን።