3 ነንሹም ነገድ ቤት ኣቦታቶም ሓንቲ በትሪ ትሃልዎ፤ ስም ኣሮን ድማ ኣብ በትሪ ሌዊ ፀሓፍ።
ስም ደቂ ሌዊ ድማ በብዓሌቶም ከምዙይ እዩ፦ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ እዮም። ሌዊ ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት እዩ።
እንበረም ከዓ ንዮካብድ ጓል ሓው ኣቦኡ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ወሰዳ እሞ ንኣሮንን ንሙሴን ወለደትሉ። እንበረም ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት እዩ።
‘ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፀልየልና፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝብሎ ዅሉ ንገረና፥ ንሕናውን ክንገብሮ ኢና’ ኢልኩም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልኢኽኩምኒ ኢኹም እሞ፥ ንባዕልትኹም ኣታለልኩም።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ሓደ በትሪ ውሰድ እሞ ‘ንይሁዳን ንደቂ እስራኤል ብፆቱን’ ኢልካ ፀሓፈሉ፤ ድሕሪኡውን ካልእ በትሪ ‘ኤፍሬምን ኵላ ቤት እስራኤል ብፆቱን’ ኢልካ ፀሓፈሉ።
“ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም እሞ ሓንቲ ሓንቲ በትሪ ኻብ ነፍሲ ወከፍ ሹም ነገድ እናተቐበልካ፥ ዓሰርተ ኽልተ በትሪ ውሰድ። ስም ነፍሲ ወከፍ ከዓ ኣብ በበትሩ ፀሓፍ።
ኣብቲ ኣነ ምሳኻ ዝራኸበሉ ድንኳን፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣንብረን።
እግዚኣብሄር ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ናይ ቤተ መቕደስ ሓጢኣት፥ ንስኻን ደቅኻን ሌዋውያንን ክትፆሩ ኢኹም፤ ናይ ክህነትኩም ሓጢኣት ድማ፥ ንስኻን ደቅኻን ክትፆሩ ኢኹም።
ኣብቲ መሰውእን ኣብቲ ውሽጢ መጋረጃን ዘሎ ግና ንስኻን ደቅኻን ብኽህነት ኣገልግሉን ሓልውን። እቲ ኣገልግሎት ክህነት ከም ውህብቶ ሂበኩም ኣለኹ። ካልእ ኣብ መቕደስ እንተ ቐረበ ግና፥ ይቀተል።”
ነዚኣቶም ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ወሓጠቶም፤ በቲ ጊዜ እቱይ እታ ሓዊ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ዝበልዐትላ፥ ምስ ቆሬን ሰዓብቱን ሞቱ፤ ንህዝቢ ድማ መርኣያ መቕፃዕቲ ኾኑ።