2 “ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም እሞ ሓንቲ ሓንቲ በትሪ ኻብ ነፍሲ ወከፍ ሹም ነገድ እናተቐበልካ፥ ዓሰርተ ኽልተ በትሪ ውሰድ። ስም ነፍሲ ወከፍ ከዓ ኣብ በበትሩ ፀሓፍ።
እቲ ኽገዝእ ዝግብኦ ክሳዕ ዝመፅእ፥ ኣህዛብውን ክሳዕ ዝግዝእዎ፥ በትሪ መንግስቲ ኻብ ይሁዳ፥ ዘንጊ ገዛኢ ኸዓ ኻብ ማእኸል ኣእጋሩ፥ ኣይሰኣንን እዩ።
ከምኡውን ነቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ዝተፅሓፉ ኻህናት፥ ነቶም ልዕሊ ደቂ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ኣብ ከክፍሎም ከከም ኣገልግሎቶም ዝተፅሓፉ ሌዋውያን ይዕድልዎም ነበሩ።
እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን በትሪ ሓይሊ ኽልእኸልካ እዩ፤ “ኣብ ማእኸል ፀላእትኻውን ክትገዝእ ኢኻ።”
ፃድቃን ኢዶም ብዓመፅ ከይዝርግሑ፥ በትሪ ሓጥኣን፥ ኣብ ልዕሊ ዕፃ ፃድቃን ኣይነብርን።
ሽዑ ብእኡ ጌርካ ነቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ንታቦት ኪዳን፥
ነዛ ተኣምራት እትገብረላ በትርውን ብኢድካ ሒዝካ ኺድ።”
እግዚኣብሄር ከዓ “ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ?” በሎ። ሙሴ ድማ “በትሪ እያ” በለ።
ካብ ጨናፍር ሓረጋ፥ ሓዊ ወፀ፤ ንፍሪኣ ኸዓ ሞዅ ኣበሎ፤ ዘንጊ ገዛኢ ዝኸውን ድልዱል ጨንፈር የብላን። እዚኣ ልቕሶ እያ፤ ከም መልቀስ ትለቐስ።
“ምእንቲ ኽሓርድ በሊሑ፥ ምእንቲ ማሕማሕ ክብል ተወልዊሉ፤ እምበኣርከስ ብእኡዶ ኽንሕጐስ ኢና? በትሪ ወደይ ንዅለን ኣዕፃው ትንዕቐን ኣላ።
ፈተና መፀ፤ እታ ዝተንዓቐት በትሪ እኳ ኻብ ዘይትህሉስ እንታይ ደኣ እዩ?” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ኣብ ማእኸል ዱር ቀርሜሎስ፥ ንበይናቶም ዝነብሩ ዘለዉ ህዝብኻ፥ መጓሰ ርስትኻ ብበትርኻ ጓስዮም። ከምቲ ናይ ቀደም ዘመን፥ ኣብ ባሳንን ኣብ ገለዓድን ጓስዮም።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፦
ነንሹም ነገድ ቤት ኣቦታቶም ሓንቲ በትሪ ትሃልዎ፤ ስም ኣሮን ድማ ኣብ በትሪ ሌዊ ፀሓፍ።
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሙሴ ነቲ ድንኳን ተኺሉ ምስ ወድአ፥ ንእኡን ንዅሉ ኣቑሑኡን ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን፥ ነቲ መሰውእን ንዅሉ ኣቑሑኡንውን ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን።