Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 16:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ኣብ ድንኳን እግዚኣብሄር ክተገልግሉ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቡ ደው ኢልኩም ከዓ ኽተገልግልዎም፥ ኣምላኽ እስራኤል ናብኡ ኸቕርበኩም ኢሉ፥ ካብ ህዝቢ እስራኤል መሪፁ ዝፈለየኩምዶ ንኢሱኩም እዩ?

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 16:9
20 Referencias Cruzadas  

ንሳ ኸዓ “ሰብኣየይ ዝወሰድክለይ ንኢሱክስ፥ ምልዖ ወደይ ድማ ኽትወስዲ?” በለታ። ራሄል ድማ፥ “እምበኣር ክንዲ ምልዖ ወድኺ ነዛ ለይቲ እዚኣ ያእቆብ ምሳኺ ይሕደር” በለታ።


ኦ ጐይታይ እግዚኣብሄር እዙይ ድማ ንእሽተይ ኮይኑ ተርእዩካስ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተይ፥ ኣብ ቤት ባርያኻ ድሕሪ ሕዚ ዝኸውን ትዛረብ ኣለኻ። ኦ እግዚኣብሄር! እዙይስ ሕጊ ሰብ ድዩ?


ነቶም ንዅሉ እስራኤል ዝምህሩ፥ ንእግዚኣብሄር ተቐዲሶም ዝነበሩ ሌዋውያን ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ነቲ ቕዱስ ታቦት ኣብታ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ወዲ ዳዊት ዝሰርሓ ቤተ መቕደስ ኣቕምጥዎ፤ ደጊም ኣብ ማእገርኩም ኣይትፆርዎን ኢኹም። ሕዝስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንህዝቡ እስራኤልን ደኣ ኣገልግልዎም።


ህዝቢ ኣይሁድ ኣገልግሎት ካህናትን ሌዋውያንን፥ ሪኦም ተሓጐሱ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ዝውፈ መስዋእትታትን በዅራትን ዓስራትን፥ ካብ ኵሉ ማሕረስ እተን ከተማታት፥ ከምቲ ሕጊ ግደ ካህናትን ሌዋውያንን ናብቲ ዝእክቡሉ ኽፍልታት ቤተ መዛግብቲ ዝእክቡ ዋናታት ኣቖሙ።


ሽዑ ንሱ ኸምዙይ በለ፦ “እምበኣርከ ኣቱም ቤት ዳዊት፥ ስምዑ፤ እቲ ንሰብ ምድካምኩም ቀሊል ድዩ? ንኣምላኸይ ድማ ተድክምዎ ኣለኹም?


ነቲ ዝተረፈ መውፈሪኹም በእጋርኩም እትረግፅዎስ ኣብቲ ልሙዕ ምውዓልዶ ውሒዱኩም እዩ? ነቲ ዝተረፈ ማይ በእጋርኩም እትዘርግዎኸ፥ እቲ ፅሩይ ማይ ምስታይዶ ውሒዱኩም እዩ?


ንሳቶም ናብ መቕደሰይ ክኣትዉ፥ ከገልግሉንስ ናብ ማእደይ ክቐርቡ፥ ንኣገልግሎተይውን ክመርፁ እዮም።


ግና ኣብ ህዝቢ እስራኤል ቍጥዓ ምእንቲ ኸይወርድ፥ ሌዋውያን ኣብ ዙርያ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይስፈሩ፤ ነቲ ድንኳን ከዓ ይሓልውዎ።”


ኣብ በረኻ ኽትቀትለና ኢልካ፥ ካብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ዘውፃእኻናዶ ውሒዱ እዩ? ሕዚ ኸዓ ኣብ ልዕሌና ኽትጕይተትዶ ትደሊ ኣለኻ?


ሙሴ ኸዓ ንቆሬ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣቱም ደቂ ሌዊ፥ ሕዚ ስምዑ።


“ንነገድ ሌዊ ኣምፅኣዮም፤ ምእንቲ ኸገልግልዎ ድማ ናብ ኣሮን ካህን ኣቕርቦም።


ንሌዋውያንውን፥ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም፤ ንሳቶም ካብ ደቂ እስራኤል ተፈልዮም ንኣይ ከገልግሉ ተውሂቦም እዮም እሞ።


እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር እናገልገሉን እናፆሙን እንተለዉ፥ መንፈስ ቅዱስ፥ “ንበርናባስን ሳውልን፥ ነቲ ኣነ ዝመረፅክዎም ኣገልግሎት ፍለዩለይ” በሎም።


ኣነ እኳ፥ ብኣኻትኩም ወይ ብኻልእ ሰብ እንተ ተፈረድኩ፥ ግዲ የብለይን፤ ንባዕለይ እኳ ኣይፈርድን እየ።


በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንነገድ ሌዊ፥ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ክፆሩ፥ ንእኡ ንምግልጋል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንኽቖሙ፥ ብስሙ ንኽባርኹ እግዚኣብሄር ክሳዕ ሎሚ ንነገድ ሌዊ ፈለዮም።


እቶም ሓሻኽር ሳኦል ድማ እዝ ነገር እዙይ ንዳዊት ነገርዎ። ዳዊት ከዓ “ኣነ ድኻን ሕሱርን ሰብ እየ፤ ሰብኣይ ጓል ንጉስ ምዃንስ ንእሽተይ ነገርዶ ይመስለኩም ኣሎ?” በሎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos