6 ንስኻን ቆሬን፥ ኵሎም ሰዓብትኻን ከምዙይ ግበሩ፦ ፀፅንሃህኹም ውሰዱ፤
ደቂ ኣሮን፥ ናዳብን ኣብዩድን፥ ፀፅንሃሆም ሓዙ፤ ፍሕሚ ድማ ገበሩሉ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ዕጣን ገበሩሉ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ንሱ ዘይኣዘዞም ካልእ ሓዊ ኣቕረቡ።
ንቆሬን ነቶም ሰዓብቱን ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ፅባሕ እቲ ናቱ ዝኾነን እቲ ቅዱስን እቲ ናብኡ ዘቕርቦን መን ከም ዝኾነ ኸፍልጥ እዩ። ነቲ ዝሓረዮ ኸዓ ናብኡ ኸቕርቦ እዩ።
ፅባሕ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓዊን ዕጣንን ግበሩሉ። እቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ሰብ፥ ንሱ ቅዱስ ይኹን። ኣቱም ደቂ ሌዊ እምብዛ ኣብዚሕኹምዎ፤ ኢሉ ተናገሮም።”