Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 16:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ንቆሬን ነቶም ሰዓብቱን ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ፅባሕ እቲ ናቱ ዝኾነን እቲ ቅዱስን እቲ ናብኡ ዘቕርቦን መን ከም ዝኾነ ኸፍልጥ እዩ። ነቲ ዝሓረዮ ኸዓ ናብኡ ኸቕርቦ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 16:5
38 Referencias Cruzadas  

ንባርያኡ ንሙሴን ነቲ ዝሓረዮ ኣሮንን ለኣኸ።


ቤት ኣሮን፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኑ፤ ረዳኢኦምን እምንቶኦምን ንሱ እዩ።


ንስኻ ዝመረፅካዮ፥ ኣብ ኣደባባይካውን ክሓድር ዝተቐበልካዮ ብፁእ እዩ፤ ካብ ቤትካ በረኸት ክንፀግብ ኢና።


“ንስኻ ኸዓ ንሓውካ ኣሮንን፥ ንደቁ ናዳብን ኣብዩድን ኣልኣዛርን ኢታምርን፥ ካህናት ኮይኖም ከገልግሉኒ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ፈሊኻ ናባኻ ኣቕርቦም።


በዝ ኽዳውንቲ እዙይ፥ ንኣሮን ሓውካን ንደቁን ክደኖም፤ ብዘይትውን ቅብኣዮም፤ መዓርግ ክህነት ድማ ሃቦም፤ ብኽህነት ምእንቲ ኸገልግሉኒ ኸዓ ቐድሶም።


ኣሮንን ደቁን ከይብድሉ እሞ ኸይሞቱ፥ ናብታ ኣነ ዝርከበላ ድንኳን ክኣትዉ እንተለዉ፥ ወይ ኣብ መቕደስ ከገልግሉ ናብ መሰውኢ ኽቐርቡ እንተለዉ ይተዓጠቕዎ። “እዙይ ንኣሮንን ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡን ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ ይኹን።


መራሒኦም ካብኣቶም ክኸውን እዩ፤ ገዛኢኦም ከዓ ኻብ ማእኸሎም ክትስእ እዩ፤ ናባይ ከቕርቦ እየ፤ ንሱውን ክቐርበኒ እዩ፤ እንተ ዘይኮይኑ ናባይ ደፊሩ ዝቐርብ መን እዩ? ይብል እግዚኣብሄር።


እንሆ፥ ካብኣ ብህፁፅ ከባርሮም እየሞ፥ ኣብ ልዕሊ ፅኑዕ እምባ፥ ኣብ ውሽጢ ትዕቢት ዮርዳኖስ፥ ከም ኣንበሳ ኽድይብ እዩ። ነቲ ዝተሓርየ ኣብ ልዕሊኣ ኽሸሞ እየ። ምሳይ ክመዓራረ ዝኽእል መን እዩ? ጊዜ ዝውስነለይከ መን እዩ? ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ጓሳኸ መን እዩ?


“እንሆ ንሱ ኻብ ትዕቢት ዮርዳኖስ፥ ናብቲ ፅኑዕ እምባ ኸም ኣንበሳ ይድይብ ኣሎ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ኻብኣ ኽሰጎም እየ። ነቲ ዝሓረኽዎ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ክሸሞ እየ። ዝመዓራረየኒ መን እዩ? ቘፀራ ዝገብረለይከ መን እዩ? ኣብ ቅድመይ ክቐውም ዝኽእል ጓሳኸ መን እዩ?


እዛ ንሰሜን ኣቢላ ዘላ ኽፍሊ ቤት ድማ፥ ነቶም ኣብታ መሰውኢ ኸገልግሉ ዝነቕሑ ኻህናት እያ፤ ንሳቶም ከገልግልዎ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ፥ ካብ ማእኸል ደቂ ሌዊ፥ ደቂ ሳዶቅ እዮም።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነቶም ከገልግሉኒ ኢሎም ዝቐርቡኒ፥ ካብ ዘርኢ ሳዶቅ ዝኾኑ ሌዋውያን ካህናት፥ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዝኸውን ዝራብዕ ክትህቦም ኢኻ፤’


እዛ ቕድስቲ ግደ እታ ምድሪ፥ ነቶም ኣገልገልቲ መቕደስ ኮይኖም፥ ንእግዚኣብሄር ከገልግሉ ዝቐርቡ ኻህናት ክትከውን እያ፤ ነባይቶም ስፍራ፥ ንመቕደስውን ቅዱስ ቦታ ኽትከውን እያ።


ሽዑ ሙሴ ንኣሮን፦ “በቶም ዝቐርቡኒ ኽቕደስ እየ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ ክኸብር እየ” ኢሉ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ እዙይ እዩ በሎ፤ ኣሮን ድማ ስቕ በለ።


“ንኣሮንን ንደቁን ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ውሰዶም። ኣልባስን መቕብኢ ዘይትን፥ እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕን፥ እቶም ክልተ ማጓሉን፥ እቲ ቕጫ ዝሓዘ መሶብን ድማ ተማላእ፤


ንስኻትኩምውን ተመሊስኩም፥ ነቲ ኣብ መንጎ ፃድቕን ሓጥእን፥ ኣብ መንጎ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘገልግልን ዘየገልግልን ክትፈልዩ ኢኹም” በለ።


ናብ ሙሴን ኣሮንን ተኣኪቦም መፁ እሞ፥ “ኵሉ እዝ ህዝቢ ቅዱስ እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ማእኸሉ እዩ። ስለ ምንታይ ኣብ ልዕሊ ማሕበር እግዚኣብሄር ኴንኩም እትዕበዩ? እምብዛ ኣብዚሕኹምዎ” እናበሉ ተፃረርዎም።


ንስኻን ቆሬን፥ ኵሎም ሰዓብትኻን ከምዙይ ግበሩ፦ ፀፅንሃህኹም ውሰዱ፤


በትሪ ናይቲ ዝሓረኽዎ ሰብ ክትጥጥዕ እያ። እቲ ደቂ እስራኤል ኣባኻትኩም ዘጕረምርምዎ ዘለዉ ድማ፥ ካባይ ከጥፍኦ እየ” በሎ።


ሙሴ ንፅባሒቱ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣተወ፤ እንሆ ኸዓ በትሪ ኣሮን፥ እታ ናይ ቤት ሌዊ፥ ጠጢዓ፥ ቈፅሊ ኣውፂኣ፥ ዓምቢባ፥ ብሱል ለውዝ ፈርያ ፀንሐት።


ኣነ እየ ዝሓረኹኹም እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይሓረኹምንን፤ ኬድኩም ፍረ ምእንቲ ኽትፈርዩ፥ ፍረኹምውን ምእንቲ ነባሪ ክኸውን ሾምኩኹም፤ ስለዙይውን፥ እቲ ዅሉ ንኣብ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ።


ሽዑ “ኦ ልቢ ዅሉ እትፈልጥ ጐይታ! እዛ ይሁዳ ናብ ስፍራኡ ክኸይድ ዝሓደጋ ስፍራ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን ክቕበል፥ ካብዞም ክልተ እዚኣቶም፥ ነየንኦም ከም ዝሓረኻ ኣርኢ” እናበሉ ፀለዩ።


እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር እናገልገሉን እናፆሙን እንተለዉ፥ መንፈስ ቅዱስ፥ “ንበርናባስን ሳውልን፥ ነቲ ኣነ ዝመረፅክዎም ኣገልግሎት ፍለዩለይ” በሎም።


ብዙሕ ክትዕ ምስ ኮነ ኸዓ፥ ጴጥሮስ ተሲኡ፦ “ኣቱም ኣሕዋትና፥ ካብ መጀመርታኡ፥ ኣህዛብ ብኣፈይ ቃል ወንጌል ክሰምዑን ክኣምኑን፥ እግዚኣብሄር ከም ዝሓረየኒ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።


ንሱ ኸዓ፥ ፍቓዱ ኽትፈልጥን፥ ነቲ ፃድቕ [ክርስቶስ] ከዓ ኽትሪኦን፥ ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ኣምላኽ ኣቦታትና ሓረየካ።


ሕዚ ግና፥ ንስኻትኩም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኴንኹም፥ ብደሙ ቐረብኩም።


ይኹን እምበር “ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ካብ ዓመፅ ይርሓቕ፤” ከምኡውን “እግዚኣብሄር፥ ነቶም ናቱ ዝኾኑ ይፈልጦም እዩ” ዝብል፥ ማሕተም ዘለዎ ዘይነቓነቕ መሰረት እግዚኣብሄር፥ ፀኒዑ ኽነብር እዩ።


ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ፤ ብዘይ ቅድስና፥ ሓደኳ ንእግዚኣብሄር ዝሪኦ የለን እሞ፥ ቅዱሳን ክትኮኑ ፀዓሩ።


ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ ድማ፥ መንግስትን ካህናትን ዝገበረና፥ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን።


ኣቦኻ ኣሮን ካህነይ ኮይኑ ናብ መሰውእየይ ክድይብ፥ ዕጣን ክዓጥን፥ ኤፉድ ተዓጢቑ ኸገልግለኒ ኢለ ኻብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ሓርየዮ ነይረ። ኵሉ ብሓዊ ዝቐርብ ናይ ደቂ እስራኤል መስዋእቲ እውን ንቤት ኣቦኻ ሂበዮ ነይረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos