49 ብዘይ እቶም ብሰንኪ ቆሬ ዝሞቱ፥ እቶም ብመዓት ዝሞቱ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኮኑ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ፌራ ሰደደሉ እሞ ኻብ እስራኤል ሰብዓ ሽሕ ሰባት ሞቱ።
እቶም ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ዘውረዩ ሰባት ተቐሲፎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ።
ኣብ መንጎ ምዉታንን ህያዋንን ድማ ቆመ። እቲ መዓት ከዓ ተኸልከለ።
ኣሮን ድማ ናብ ሙሴ፥ ናብቲ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ተመለሰ፤ እቲ መዓትውን ተኸልከለ።
እቶም በቲ መዓት ዝሞቱ ኸዓ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ኾኑ።
ከምኡውን ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕረምረሙ እሞ፥ በቲ ዘጥፍእ ከም ዝጠፍኡ፥ ኣይነዕረምርም።
እምበኣር ነቲ ዝዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይትኣብይዎ ተጠንቀቑ፤ እቶም ካብ ምድሪ ዝተዛረቦም ምስማዕ ምስ ኣበይዎ፥ ካብ ፍርዲ ኻብ ዘየምለጡ፥ ንሕና ግዳ ነቲ ኻብ ሰማይ ዝዛረበና ምስማዕ እንተ ኣበና፥ ከመይ ኢልና ኽነምልጥ ንኽእል?