Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 16:42 - መፅሓፍ ቅዱስ

42 እቶም ህዝቢ ንሙሴን ንኣሮንን ክቃወሙ ምስ ተኣከቡ፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቢሎም ግልፅ በሉ። እንሆ ድማ ነቲ ድንኳን፥ ደመና ጐልበቦ፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ተርኣየ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 16:42
10 Referencias Cruzadas  

ኣሮን ከዓ ንዅሉ ማሕበር እስራኤል ምስ ተዛረበ፥ ንሳቶም ገፆም ናብ ምድረ በዳ ኣቢሎም ጠመቱ፤ እንሆ ድማ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ደመና ተርኣየ።


እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘጕረምረምኩምዎ እግዚኣብሄር ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ፅባሕ ንግሆ ኽብሩ ኽትሪኡ ኢኹም። ኣብ ልዕሌና እተጕረምርሙስ፥ ንሕና እንታይ ኢና?” በልዎም።


ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ኣብ እምባ ሲና ወረደ፤ እቲ ደመና ኸዓ ሽዱሽተ መዓልቲ ጐልበቦ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ፥ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኻብ ማእኸል እቲ ደመና ፀውዖ።


ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣተዉ። ወፂኦም ከዓ ነቶም ህዝቢ ባረኽዎም። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ተገለፀሎም።


ኵሎም እቶም ህዝቢ ግና “ብእምኒ ቀጥቂጥና ንቕተሎም” ተበሃሃሉ። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ንዅሎም ደቂ እስራኤል ተርኣየ።


ቆሬ ድማ ንዅሎም ሰዓብቱ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣከቦም። ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ንዅሉ እቲ ማሕበር ተርኣየ።


ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን መፁ።


ነቲ ህዝቢ ዝኸውን ማይ ድማ ኣይነበረን፤ ሽዑ እቶም ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ተኣከቡ።


ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኻብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ናብ በሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከዱ። ብገምበሮም ድማ ተደፍኡ፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ተርኣዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos