Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 16:40 - መፅሓፍ ቅዱስ

40 ካብ ዘርኢ ኣሮን ዘይኮነ ጓና ሰብ ክዓጥን ኢሉ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣይቕረብ። እንተ ቐረበ ግና ኸም ቆሬን ከም ሰዓብቱን ክኸውን እዩ። እዙይ ንደቂ እስራኤል መዘከርታ ይኹን። እዝ ዅሉ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 16:40
16 Referencias Cruzadas  

እዚኣቶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ፥ ትውልዶም ደለዩ፤ ግናኸ ኣይተረኽቡን፤ ስለዙይ ከም ርኹሳት ተቘፂሮም ካብ ክህነት ተኸልከሉ።


ቤት ኣሮን፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኑ፤ ረዳኢኦምን እምንቶኦምን ንሱ እዩ።


እዛ ንሰሜን ኣቢላ ዘላ ኽፍሊ ቤት ድማ፥ ነቶም ኣብታ መሰውኢ ኸገልግሉ ዝነቕሑ ኻህናት እያ፤ ንሳቶም ከገልግልዎ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ፥ ካብ ማእኸል ደቂ ሌዊ፥ ደቂ ሳዶቅ እዮም።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነቶም ከገልግሉኒ ኢሎም ዝቐርቡኒ፥ ካብ ዘርኢ ሳዶቅ ዝኾኑ ሌዋውያን ካህናት፥ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዝኸውን ዝራብዕ ክትህቦም ኢኻ፤’


ካብ ዓሌት ካህናት ዘይኮነ፥ ካብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ፤ ምስ ካህን ዝነብር ወይ ኣገልጋሊኡ ኻብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ።


እቲ ናይ ምስክር ድንኳን ካብ ሰፈር እንትለዓል፥ ሌዋውያን ይንቀልዎ፤ ክሰፍሩ እንተለዉ ኸዓ ንሳቶም ይትከልዎ። ካልእ ሰብ ናብኡ እንተ ቐረበ ግና ይቀተል።


ካህን ኣልኣዛር ከዓ ነቲ እቶም ዝነደዱ ዘቕረብዎ ፅንሃሃት ነሃስ ወሰዶ፤ ንመለበጢ መሰውኢ ክኸውን ከዓ ቐጥቂጡ ኣርቀቖ።


ንኣሮንን ንደቁን ድማ ናይ ክህነቶም ኣገልግሎት ክፍፅሙ ሹሞም፤ ካልእ ሰብ እንተ ቐረበ ኸዓ ይቀተል።”


ሙሴን፥ ኣሮን ምስ ደቁን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ብወገን ምብራቑ ይስፈሩ። ንሳቶም ክንዲ ደቂ እስራኤል ንመቕደስ ዝሕልዉ እዮም። ካልእ ሰብ ናብኡ እንተ ቐረበ ግና ይቀተል።


ከም ኣሮን ብእግዚኣብሄር ዝተፀውዐ እምበር፥ ነዝ ኽብሪዙይ ባዕሉ ኽረኽቦ ዝኽእል ሓደኳ የለን።


ሽዑ ንስኻትኩም ‘ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ብዮርዳኖስ ክሳገር እንተሎ እቲ ማይ ዮርዳኖስ ምውራድ ኣቋረፀ እሞ፥ እዞም ኣእማን እዚኣቶም ንደቂ እስራኤል ንዘለኣለም መዘከርታ እዮም’ ትብልዎም” ድማ በሎም።


ብመንገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፥ ምእንቲ ገንዘብ ብስሕተት በለዓም ስለ ዝወደቑ፥ ብኽሕደት ቆሬውን ስለ ዝዓመፁ፥ ጠፊኦም እዮም እሞ ወይለኦም!


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos