4 ሙሴ እዙይ ምስ ሰምዐ ብግንባሩ ተደፍአ።
ኮነ ድማ፥ ክቐትሉ እንተለዉ፥ ኣነ ተረፍኩ፤ ብገፀይ ወደቕኩ እሞ፥ “ወዮ! ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ቍጥዓኻ ኣብ ኢየሩሳሌም ክዒውካዶ፥ ንዅሎም ተረፍ እስራኤል ክተጥፍኦም ኢኻ?” ኢለ ኣእዌኹ።
ሽዑ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ማሕበር ደቂ እስራኤል ብገፆም ተደፍኡ።
ሽዑ ንሳቶም “ኦ ኣምላኽ! ኣምላኽ ናይ ነፍሳት ዅሉ ሰብ፥ ሓጢኣት ዝገበረስ ሓደ ሰብኣይ እዩ፤ ንዅሉ ኣኼባዶ ትቝጥዖ ኢኻ?” እናበሉ ብገምበሮም ተደፍኡ።
“ኣነ ብቕፅበት ዓይኒ ኸጥፍኦም እየ እሞ፥ ካብዝ ህዝቢ እዙይ ረሓቑ” በሎ። ንሳቶም ከዓ ብገምበሮም ተደፍኡ።
ንቆሬን ነቶም ሰዓብቱን ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ፅባሕ እቲ ናቱ ዝኾነን እቲ ቅዱስን እቲ ናብኡ ዘቕርቦን መን ከም ዝኾነ ኸፍልጥ እዩ። ነቲ ዝሓረዮ ኸዓ ናብኡ ኸቕርቦ እዩ።
ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኻብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ናብ በሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከዱ። ብገምበሮም ድማ ተደፍኡ፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ተርኣዮም።
ኢያሱውን ክዳኑ ቐደደ፤ ንሱን ዓበይቲ እስራኤልን ድማ፥ ኣብ ኣራእሶም ሓመድ ነስኒሶም፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፍኡ፤ ክሳዕ ምሸትውን ፀንሑ።