33 ንሳቶም ድማ ምስ ኵሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ወረዱ፤ እታ ምድሪ ኸዓ ተዓፀወቶም፤ ካብ ማእኸል ማሕበሮም ድማ ጠፍኡ።
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዝተሰንጠቐ ድንኩል፥ ኣዕፅምትና ኸምኡ ኣብ መቓብር ተበተኑ።
ኦ ጐይታ፥ መንፈሰይ ሃሊቓ እያሞ፥ ቀልጢፍካ ስምዐኒ፤ ከምቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ኸይከውን፥ ገፅካ ኻባይ ኣይትኸውል።
ሞት ይምፅኣዮም፤ ብህይወት እንተለዉ ናብ ሲኦል ይውረዱ፤ ክፍኣት ኣብ መሕደሪኦምን ኣብ ማእኸሎምን እዩሞ።
ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፤ እግዚኣብሄርውን ሰምዐኒ።
ንስኻ ግና፥ ኦ ጐይታ፥ ናብ ጕድጓድ ሞት ተውርዶም ኢኻ፤ ናይ ደም ሰባትን ጠበርትን ፍርቂ ዕድመኣቶም ኣይነብሩሉን፤ ኣነ ግና ኣባኻ እእመን ኣለኹ።
ማዕበላት ማይ ኣየስጥመኒ፤ ቃላይ ድማ ኣይውሓጠኒ፥ ጕድጓድውን ኣብ ልዕለይ ኣፉ ኣይዕፆ።
ኣህዛብ ናብታ ዝዀዓትዋ ጕድጓድ ወደቑ፤ በቲ ዝሓብእዎ መፈንጠር ከዓ እግሮም ተትሓዘ።
ንስኻ ግና ናብቲ መዓሙቝ ጕድጓድ ናብ ሲኦል ክትወርድ ኢኻ።
“እታ ታሕቲ ዘላ ሲኦል፥ ክትመፅእ እንተለኻ ምእንቲ ኽትቅበለካ ኢላ ተሃወኸት፤ ነቶም ዝሞቱን ዓበይቲ ምድርን ተበራብረልካ ኣላ፤ ንነገስታት ከዓ ኻብ ዙፋናቶም ተትስኦም ኣላ።
ሲኦል ኣየመስግነኻን እዩሞ፥ ሞትውን ኣየኽብረካንሞ፥ እቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ብሓቅነትካ ተስፋ ኣይገብሩን እዮም።
እተን ኣብ ማይ ዝተተኽላ ኣእዋም፥ ብቑመተን ከይዕበያን፥ ጫፈን ኣብ ማእኸል ዕሙር ጨናፍር ከየልዕላን፥ ኵላቶም ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ዘለዉ ውሉድ ሰብ፥ ንመዓሙቝ ምድሪ ንሞት ተወፍዮም እዮም እሞ፥ እተን ማያት ዝሰትያ ዅላተን ሓያላት፥ ብትዕቢት ከይቖማስ እዙይ ኮነ።”
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ግብፂ ኣልቅሰሉ፤ ንኣኣን ነተን ኣዋልድ ክቡራት ህዝብታትንውን ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ፥ ናብ መዓሙቝ ምድሪ ደርብየን።”
“ኣብኡ እቶም ምስቶም ቅቱላት ዝወረዱ፥ ኵላቶም ኣሕሉቕ ሰሜንን፥ ኵላቶም ሲዶናውያንን ኣለዉ። ብሓይሎም ዘሰክሑ እንትኾኑ፥ ነዊሮም ዘይግሩዛት ኮይኖም፥ ምስቶም ብሰይፊ ዝተቐትሉ፥ ይድቅሱ ኣለዉ፤ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ኸዓ ነውሮም ይፆሩ ኣለዉ።
ምድሪ ኣፋ ኸፈተት፤ ንኣኣቶምን ነባይቶምን ንዅሎም ናይ ቆሬ ሰባትን ንዅሉ ንብረቶምን ከዓ ወሓጠቶም።
ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ እስራኤላውያን ድማ ኣውያቶም ሰሚዖም “ንኣና ድማ ምድሪ ኸይትውሕጠና” ኢሎም ሃደሙ።
እታ ኣድጊ ኸዓ ሪኣትኒ፥ ሰለስተ ሻዕ ኻብ ቅድመይ ኣግለሰት፤ ካብ ቅድመይ እንተ ዘይተግልስ፥ ንኣኣ ብህይወታ ሓዲገ ንኣኻ ምቐተልኩኻ ነይረ” በሎ።
ደቂ ቆሬ ግና ኣይሞቱን።
ብቝጥዓይ ሓዊ ነዲዱ እዩ እሞ፥ ክሳዕ ታሕተዋይ ሲኦል ክነድድ እዩ፤ ንምድሪ ምስ ፍሪኣ ኽበልዓ እዩ፤ መሰረታት እምባ ድማ ኸቃፅል እዩ።”
ብመንገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፥ ምእንቲ ገንዘብ ብስሕተት በለዓም ስለ ዝወደቑ፥ ብኽሕደት ቆሬውን ስለ ዝዓመፁ፥ ጠፊኦም እዮም እሞ ወይለኦም!