30 እግዚኣብሄር ሓድሽ ነገር እንተ ገበረ ግና፥ እዚኣቶም ምስ ኵሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ክወርዱ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ እንተ ወሓጠቶም፥ ሽዑ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ከም ዝነዓቕዎ ኽትፈልጡ ኢኹም” በለ።
እቲ ግደ ኣምላኽ ኣብ ላዕሊ እቲ ርስቲ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል፥ ካብ ኣርያም እንታይ እዩ?
ጥፍኣት ንዓመፅቲ፥ ዕንወትውን ንገበርቲ ኽፉእዶ ኣይኮነን?
ቍጥዓኦም ኣብ ልዕሌና እንትነድድ፥ ብህይወትና እንተለና ምወሓጡና ነይሮም፤
ሞት ይምፅኣዮም፤ ብህይወት እንተለዉ ናብ ሲኦል ይውረዱ፤ ክፍኣት ኣብ መሕደሪኦምን ኣብ ማእኸሎምን እዩሞ።
እግዚኣብሄር ነቲ ተኣምራታዊ ስራሑ ምእንቲ ኽገብር፥ ነቲ ጋሻ ዝኾነ ተግባሩ ምእንቲ ኽፍፅም፥ ከምቲ ኣብ እምባ ፐራሲም ዝነበረ ይትስእ፤ ኣብ ለሰ ገባዖን ከም ዝነበረ ኸዓ ይቝጣዕ።
እንሆ፥ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፤ ንሱውን ሕዚ ኽበቍል እዩ፤ ንስኻትኩምውን ኣይትፈልጥዎን ዲኹም? መንገዲ ኣብ ምድረ በዳ፥ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ክገብር እየ።
ንምድሪ ዝፈጠርኩ፥ ኣብኣ ዘሎ ሰብውን ዝፈጠርኩ ኣነ እየ፤ ንሰማያት ዝዘርግሓ ድማ ኣእዳወይ እየን፤ ንዅሎም ሰራዊቶምውን ዝእዝዝ ኣነ እየ።
ብርሃን ፈጠርኩ፤ ፀልማትውን ፈጠርኩ፤ ምሕረት እገብር፤ መዓት ድማ አምፅእ፤ እዝ ዅሉ ዝገበርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ኣቲ ኸዳዕ ጓል፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኺ እትንከራተቲ? እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ሓድሽ ነገር ፈጢሩ እዩሞ፤ ሰበይቲ ንሰብኣይ ክትከቦ እያ።”
እተን ኣብ ማይ ዝተተኽላ ኣእዋም፥ ብቑመተን ከይዕበያን፥ ጫፈን ኣብ ማእኸል ዕሙር ጨናፍር ከየልዕላን፥ ኵላቶም ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ዘለዉ ውሉድ ሰብ፥ ንመዓሙቝ ምድሪ ንሞት ተወፍዮም እዮም እሞ፥ እተን ማያት ዝሰትያ ዅላተን ሓያላት፥ ብትዕቢት ከይቖማስ እዙይ ኮነ።”
እዝ ዅሉ ተዛሪቡ ምስ ወድአ ኣብ ትሕቲኦም ዘላ ምድሪ ተጨደደት።
ንሳቶም ድማ ምስ ኵሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ወረዱ፤ እታ ምድሪ ኸዓ ተዓፀወቶም፤ ካብ ማእኸል ማሕበሮም ድማ ጠፍኡ።