29 እንተ ደኣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ከም ኣማውታ ዅሉ ሰብ ሞይቶም፤ ወይ ንዅሉ ሰብ ከም ዝበፅሖ እንተ ተቀሰፉ፥ እምበኣር እግዚኣብሄር ኣይለኣኸንን።
በታ መስዋእቲ ሰርኪ ዝቐርበላ ጊዜ ድማ ነቢይ ኤልያስ ቀሪቡ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ንስኻ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዝኾንካ፥ ኣነውን ኣገልጋሊኻ ምዃነይ፥ ነዝ ዅሉ ድማ ብትእዛዝካ ኸም ዝገበርክዎ፥ ሎሚ ኣፍልጥ።
ሚክያስ ድማ “ርግፅ ብሰላም እንተ ተመሊስካ፥ እምበኣር እግዚኣብሄር ብኣይ ኣይተዛረበን” ኢሉ መለሰሉ። ወሲኹ ከዓ “ኣቱም ህዝቢ ዅልኻትኩም ስምዑኒ!” በለ።
ነቢይ ሚክያስ ድማ “ርግፅ ብሰላም እንድሕር ተመሊስካ፥ እምበኣር እግዚኣብሄር ብኣይ ኣይተዛረበን” ኢሉ መለሰሉ። ወሲኹ ኸዓ “ኣቱም ህዝቢ፥ ኵልኻትኩም ስምዑኒ” በለ።
እግዚኣብሄር ተቘጢዑ ንሰብ ዘይቐፅዖ፤ ንሓጢኣትውን ሸለል ዝብሎዶ፥ ይመስለካ ኣሎ?
ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቐናእ ኣምላኽ እየ እሞ፥ ንዝፀልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ፥
ሕዚ ኸዓ ኺድ እሞ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ናብቲ ዝበልኩኻ ምርሓዮ። እንሆ፥ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ። ኣነ ግና እቲ ዝቕፅዑሉ ጊዜ እንትበፅሕ፥ ብሓጢኣቶም ክቐፅዖም እየ” በሎ።
ዕድል ደቂ ሰብን እንስሳን ሓደ እዩ፤ ብፅሒቶምውን ማዕረ እዩ፤ እቲ ሓደ ኸም ዝመውት እቲ ኻሊእውን ይመውት፤ ናይ ኵሎም እስትንፋስ ሓደ እዩ። ኵሉ ኸንቱ እዩሞ፥ ሰብ ካብ እንስሳ ኣይበልፅን።
ብመዓልቲ ቕፅዓት፥ ጥፍኣት ካብ ርሑቕ እንትመፅእ፥ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም? ሓገዝ ክትረኽቡኸ ናብ መን ክትሃድሙ ኢኹም? ንኽብርኹምከ ኣበይ ክትሓድግዎ ኢኹም?
ብሓቂ በዝ ነገር እዙይዶ ኽቐፅዖም ኣይግብአንን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ነዝ ከምዙይ ዘመሰለ ህዝብኸ፥ ሕነ ኽፈድዮዶ ኣይግብአንን እዩ?”
ታው። ኦ ጓል ፅዮን፥ መቕፃዕትኺ ኽውዳእ እዩ፤ ድሕሪ ደጊም ኣየማርኸክን እዩ፤ ኣቲ ጓል ኤዶምያስ ንበደልኪ ኽቐፅዕ እዩ፤ ንሓጢኣትኪ እውን ክቐልዖ እዩ።
ሓደኳ ኽጐድኦም እንተ ደለየ፥ ካብ ኣፎም ሓዊ ይወፅእ እሞ፥ ንፀላእቶም የቃፅሎም። እቲ ኽጐድኦም ዝደሊ፥ ብኸምዙይ ክቕተል እዩ።