2 ኣብ ልዕሊ ሙሴ ተልዓሉ፤ ምስኣቶም ድማ ካብ ደቂ እስራኤል ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሹመኛታት ወሰዱ፤ ንሳቶም ብህዝቦም ስሙያት ዝኾኑ ናይቲ ማሕበር ኣሕሉቕ ነበሩ።
በቲ ዘመን እቱይ፥ ከምኡውን ብድሕሪኡ፥ ኣብ ምድሪ፥ ኔፊልም ዝበሃሉ ሰባት ነበሩ፤ ደቂ እግዚኣብሄር ናብተን ኣጓላት ደቂ ሰብ ኣተዉ፤ ንሳተንውን ወለዳሎም። እዚኣቶም እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት እዮም።
ካብ ደቂ ኤፍሬም ከዓ ሓያላት ጀጋኑ፥ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ስሙያት፥ ዕስራ ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን ሰባት።
ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ዔፈር፥ ይሽዒ፥ ኤሊኤል፥ ዓዝሪኤል፥ የርሚያ፥ ሆዳውያ፥ ያሕዲኤል። እዚኣቶም ሓያላት ጀጋኑ ሰባት፥ ስሙያት ሰባት፥ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ነበሩ።
በቲ ኣነ ዝሸለምኩኺ ግርማ፥ እቲ መልክዕኺ ፍፁም ኮይኑ እዩ እሞ፥ ወረኺ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ወፀ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ንሳቶም ከዓ ዕርቃና ቐልዑ፤ ነወዳታን ነዋልዳን ማረኽዎም፤ ንኣኣ ድማ ብሰይፊ ቐተልዋ፤ ኣብ ልዕሊኣውን ፍርዲ ተፈሪዱ እዩሞ፥ ኣብ ማእኸል ኣንስቲ መመሰሊት ኮነት።
እቶም ካብቲ ህዝቢ ዝተሸሙ፥ ሹመኛታት ነገዳት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም። ንሳቶም ነናይ ማይ ቤቶም ኣሕሉቕ ነበሩ።
ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረሞ፥ ማርያምን ኣሮንን፥ ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጲያዊት ሰበይቲ፥ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ።
ካብ እግዚኣብሄር ከዓ ሓዊ ወፀ፤ ነቶም ዝዓጥኑ ዝነበሩ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ድማ በልዖም።
ደቂ ኤልያብ ድማ፥ ነሙኤል፥ ዳታን፥ ኣቤሮን ነበሩ። እቲ ምስ ሰዓብቲ ቆሬ ኾይኖም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ምስ ዓመፁ፥ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ዝተስኡ፥ ኣብቲ ጉባኤ ስሙያት ዝነበሩ ዳታንን ኣቤሮንን እዚኣቶም እዮም።
“ኣቦና ኣብ ምድረ በዳ ሞተ፤ ንሱ ብሓጢኣቱ እዩ ዝሞተ እምበር፥ ምስቶም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዝተስኡ ሰዓብቲ ቆሬ ኣይነበረን፤ ኣወዳት ድማ ኣይነበርዎን።