16 ሙሴ ንቆሬ ኸምዙይ በሎ፦ “ፅባሕ ንስኻን እቶም ኵሎም ወገናትካን፥ ኣሮንውን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምፁ።
ሙሴ ድማ ንኣሮን “ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል፥ ‘እግዚኣብሄር ምጕርምራምኩም ሰሚዑ እዩ እሞ፥ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ’ በሎም” በሎ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ንማርያምን “ሰለስቲኹም ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ውፁ” በሎም። ሰለስቲኦም ድማ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ወፁ።
ሙሴ ድማ የመና ተቘጢዑ ንእግዚኣብሄር፥ “መስዋእቶም ኣይትቀበል፤ ካብኣቶም ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣይገበርኩን፤ ሓንቲ ኣድጊ እኳ ኣይወሰድኩሎምን” በሎ።
ነፍሲ ወከፍ ከዓ ፀፅንሃሁ ይውሰድ፤ ዕጣን ድማ ይግበረሉ፤ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ፅንሃህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቡ፤ ንስኻን ኣሮንን ድማ ነናትኩም ፅንሃህ ኣምፅኡ” በሎ።
ንዝሰምዕዎ ብዘጥፍእ፥ ረብሓ ብዘይብሉ ቓል ከይበኣሱ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናመዓድካ፥ ነዙይ ኣዘክሮም።
ሕዚ እውን እኒሀኹ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ እቲ ንሱ ዝቐብኦን መስክሩለይ፤ ናይ መን ብዕራይ ወሰድኩ? ናይ መን ኣድጊኸ ወሰድኩ? ንመንከ ኣታለልኩ? ንመን ግፍዒ ገበርኩ? ኣዒንተይ ንምዕዋርከ ኻብ መን ጉቦ ተቐበልኩ? ኣነውን ክመልሰሉ እየ።”
እምበኣር ሕዝስ ብዛዕባ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝገበሮ ፅድቂ ግብርታቱ፤ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋረደኩምስ ኣብዙይ ደው በሉ።