9 ምስኡ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብኽልተ ሊትሮ ዘይቲ ዝተለወሰ ሰለስተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ ኣቕርብ።
ኦርና ኸዓ ንዳዊት “ጐይታይ ንጉስ! ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ግበር፤ እንሆ እዞም ኣብዑር ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ እዝ ኣቑሑ ዓውዲ ንዕንፀይቲ፥ እዝ ስርናይውን ንመስዋእቲ እኽሊ ክኸውን ኵሉ ሂበካ ኣለኹ” በሎ።
ንኣምልኾ ኣምላኽና ዝውዕል ሕብስቲ ቝርባንን፥ ናይ ኵልሻዕ መስዋእቲ ብልዕን፥ ነቲ ዅልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ነቲ ናይ ሰናብትን ናይ ሰርቀ ወርሕን፥ ናይ ምዱባት በዓላትን ናይ ቅዱስ ነገርን፥ ንስርየት ሓጢኣት እስራኤል ዝኸውን መስዋእትን፥ ንቤተ መቅደስ ዘድሊ ኻልእ ነገርን ክንህብ ኢና።
በለኒውን፥ እዘን ኣብ ቅድሚ እቲ ጥራሑ ዘሎ ቦታ፥ ናይ ሰሜንን ደቡብን ክፍልታት ኣባይቲ፥ ቅዱሳት ክፍልታት ኣባይቲ እየን፤ ኣብአን እቶም ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ ኻህናት፥ ነቲ የመና ቅዱስ ነገር ክበልዑ እዮም። ቅዱስ ቦታ እዩ እሞ፥ ኣብኡ ነቲ የመና ቅዱስ ነገር መስዋእቲ እኽልን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን፥ መስዋእቲ በደልን ከንብሩ እዮም።
ብበዓላትን ብመዓልቲ ኽብረ በዓላትን፥ እቲ መስዋእቲ ብልዒ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኢፍ፥ ነቲ ማጕላ ድማ ሓደ ኢፍ፥ ነቶም ጡበታትውን ከም ርካቡ፥ ነንሓደ ኢፍ ኸዓ፥ ሓደ ኢን ዘይቲ ኸቕርብ እዩ።
ማጕላን መስዋእቲ ብልዕን ዘይትን፥ ንግሆ ንግሆ ኸም ናይ ኵሉ ጊዜ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽትስውኡ ኢኹም።”
መስዋእቲ ብልዒ ኸዓ፥ ነቲ ማጕላ ሓንቲ ኢፍ፥ መስዋእቲ ብልዒ ነቶም ጡበታት ድማ፥ ከም ርካቡ ክኸውን፥ ንነፍሲ ወከፍ ኢፍውን ሓደ ኢን ዘይቲ ኽህልዎ እዩ።
ንሱ ኸዓ መስዋእቲ ብልዒ፥ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኢፍ፥ ነቲ ድዑል ድማ ሓደ ኢፍ፥ ነቶም ጡበት ከም ርካቡ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኢፍ ኸዓ ሓደ ኢን ዘይቲ ኸቕርብ እዩ።
ቍርባን እኽልን ቍርባን መስተን፥ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ተወጊዱ፤ እቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ካህናት ይበኽዩ ኣለዉ።
ብምሕረቱ ተናሲሑ ዝምለስ እንተ ኾነ፥ ብድሕሪኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ብቝርባን እኽልን ብቝርባን መስተን፥ በረኸት ዝሓድግ እንተ ኮነ፥ መን ይፈልጥ?
ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ጐደሎ ዘይብሎም ክልተ ጡበታት ኣባጊዕን፥ ጐደሎ ዘይብላ ዓመት ዝገበረት ሓንቲ በጊዕን፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ሰለስተ ኺሎ ልሑም ሕሩጭን ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይትን የምፅእ።
ስርዓት ኣቀራርባ ቝርባን እኽሊ ኸምዙይ እዩ፦ ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ የቕርብዎ።
እምበኣር ሕጊ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ሕጊ መስዋእቲ ምቕባል ክህነትን፥ ሕጊ መስዋእቲ እኽልን፥ ሕጊ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን፥ ሕጊ ኽንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእትን፥ ሕጊ መስዋእቲ ምስጋናን እዙይ እዩ።
ንመስዋእቲ መስተ ኸዓ ኽልተ ሊትሮ ወይኒ ኣቕርብ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
ንምፍፃም መብፅዓ ወይ ንመስዋእቲ ምስጋና ኢልካ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ ጌርካ ዝራብዕ ንእግዚኣብሄር እንተ ኣቕረብካ፥
መስዋእቲ እኽሊ ድማ ብዘይቲ ዝተለወሰ ሕሩጭ ኣቕርቡ፦ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ኺሎ ግራም ሕሩጭ፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ኺሎ ግራም ሕሩጭ፥
መስዋእቲ መስተ ድማ መምስ ሓደ ዝራብዕ ክልተ ሊትሮ፥ ምስቲ ሓደ ማጕላ ሓደ ሊትሮን ፈረቓን፥ መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ድማ ሓደ ሊትሮ ወይኒ ኣቕርቡ። እዙይ ዓመት ምሉእ፥ ወርሒ ወርሒ ዝቐርብ፥ ወርሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ መጀመርታ ወርሒ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ እዩ። እዝ መስዋእቲ እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብለኒ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
እቲ ህፃን ጡብ ምስ ሓደገ ኸዓ፥ ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ዝራብዕን ዓሰርተ ኺሎ ግራም ሕሩጭን ሓደ ሓርቢ ወይንን ተማሊኣ፥ ወዳ ሒዛ ናብ ሴሎ ደየበት፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣእተወቶ። እቲ ህፃን ገና ንእሽተይ ነበረ።