6 ማጓሉ ኽስውእ እንተሎ ኸዓ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብሓደ ሊትሮን ፈረቓን ዘይቲ ዝተለወሰ ኽልተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ የቕርብ።
እቲ መስዋእቲ፥ ጤል እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፤
እቲ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ዘቕርብ ሰብ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን፥ ብሓደ ሊትሮ ዘይቲ ዝተለወሰ ሓደ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ የቕርብ።
ንመስዋእቲ መስተ ኸዓ፥ ምስቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ ምስቲ መስዋእቲ ሕሩድ ነንሓደ ጡበታት ኣባጊዕ ሓደ ሊትሮ ወይኒ የቕርብ።
ንመስዋእቲ መስተ ዝኸውን ድማ ሓደ ሊትሮን ፈረቓን ወይኒ የቕርብ። ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ ገይሩ የቕርቦ።