40 ሽዑ ንዅሉ ትእዛዛት ክትዝክርዎን ክትገብርዎን ኢኹም። ንኣይ ንኣምላኽኩም ከዓ ቅዱሳን ክትኮኑ ኢኹም።
ቃል ኪዳኑ ኣብ ዝሕልዉ፥ ትእዛዙውን ክፍፅሙ ኣብ ልዕሊ ዝሓስቡ እዩ።
ንዅሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፥ ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ኩኑ።
ትእዛዛተይ ሓልዉ፤ ግበርዎውን፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ኣነ ኣምላኽኩም ምእንቲ ክኸውን፥ ካብ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስን፥ መስዋእቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ፥ ብምሕረት እግዚኣብሄር እልምነኩም ኣለኹ፤ እዙይ ድማ እቲ ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።
ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳንን፥ ነውሪ ዘይብልናን ምእንቲ ኽንከውን፥ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ብክርስቶስ ሓረየና።
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ይኹነልኩም።
እግዚኣብሄር ንቕድስና እምበር፥ ንርኽሰት ኣይፀውዐናን።