39 እዝ ዘፈር እዙይ ድማ መዘከሪ ክኾነኩም እዩ። ነዙይ እናረአኹም ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ክትዝክሩን ክትእዘዝዎን ኢኹም። ሽዑ ኻብኡ ርሒቕኩም ከም ትምኒት ልብኹምን ድሌት ዓይንኹምን ኣይትኸዱን ኢኹም።
ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ፥ ናይታ ሻምነይቲ ወርሒ፥ በታ ብልቡ ዝመደባ ወርሒ ኣብ ቤቴል ንደቂ እስራኤል በዓል ገበረሎም። ክዓጥን ድማ ናብቲ ዝሰርሖ መሰውኢ ደየበ።
ኣካይዳይ ካብ ቅኑዕ መንገዲ እንተ ዘምቢሉ፥ ዓይነይ ዝረአዮ ልበይ ተመንይዎ እንተ ኾይኑ፥ ኣእዳወይውን ብሓጢኣት ረሲሐን እንተ ኾይነን፥
ብተግባራቶም ረኸሱ፤ ብግብሮምውን ኣመንዘሩ።
እንሆ፥ እቶም ካባኻ ዝርሕቑ ኽጠፍኡ እዮም፤ ነቶም ካባኻ ርሒቆም ዘመንዝሩ፥ ኣጥፋእኻዮም።
እግዚኣብሄር ብሓያል ኢዱ ኻብ ግብፂ ኣውፂኡካ እዩ እሞ፥ ሕጊ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኣብ ኣፍካ ክኸውን፥ ኣብ ኢድካ ንምልክት፥ ኣብ ኣዒንትኻ ድማ ንመዘከርታ ይኹነልካ።
ብልቡ ዝእመን ሰብ ሰነፍ እዩ፤ እቲ ብጥበብ ዝመላለስ ግና ይድሕን።
ወደይ፥ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፤ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሓልዎ።
ኣታ ጐበዝ፥ ኣብ ጊዜ ጕብዝናኻ ደስ ይበልካ፤ በዘን መዋእል ጕብዝናኻ ልብኻ ይተሓጐስ፤ እትደልዮ ግበር፤ ልብኻ ብዝብህጎ መንገድን፥ ኣዒንትኻ ብዝጥምታኦን ተመላለስ፤ ግና እግዚኣብሄር ብዛዕባ ዅሉ እዙይ፥ ናብ ፍርዲ ኸም ዘቕርበካ ፍለጥ።
እኳ ደኣ ብትሪ ልቦም ከምቲ ኣቦታቶም ዝመሃርዎም በዓል ንዝብሃል ጣዖት ተኸተሉ።
እቶም ዘምለጡ ሰብኩም ከዓ፥ ነቲ ኻባይ ዝዘምበለ ዘማዊ ልቦምን፥ ነተን ክዝምዋ ደድሕሪ ጣዖታቶም ዝኸዳ ኣዒንቶምን ምስ ሰባበርኩ፥ ኣብቲ ዝማረኽዎም ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኮይኖም ክዝክሩኒ እዮም፤ በቲ ብዅሉ ርኽሰቶም ዝገበርዎ ኽፍኣት ከዓ ንርእሶም ክፍንፍኑ እዮም።
ደቀይ፥ ድሕሪ ሕዚ እኖኹም ሰበይተይ ኣይኮነትን፤ ኣነውን ሰብኣያ ኣይኮንኩን እሞ፥ ተማጐቱ፤ ምስ እኖኹም ተሟጐቱ፤ ምንዝርናኣ ኻብ ገፃ፥ ዝሙታ ኸዓ ኻብ መንጎ ኣጥባታ ተርሕቕ።
“ንቓል እዝ መርገም እዙይ ሰሚዑ፥ ብልቡ ‘ኣነስ ብትሪ ልበይ ከም ድሌተይ ክኸይድ እየ፤ ኵሉ ነገር ከዓ ሰናይ ክኾነለይ እዩ’ ዝብል ሓደ ኸይህሉ ተጠንቀቑ። እዝ ሰብ እዙይ ንዅልኻትኩም ንሕያዎትን ንኽፉኣትን ናይ ጥፍኣት ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ዝኣተዎ ኺዳን ከይትርስዑ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኸልከለኩም ብናይ ዝኾነ መልክዕ ዝተወቕረ ምስሊ ኸይትገብሩ ተጠንቀቑ።
ሽዑ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ከይትርስዕዎ ተጠንቀቑ።
ነዝ ሎሚ ዝህበኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ሕግጋቱን ብዘይ ምሕላውኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትርስዕዎ ተጠንቀቑ።
ሽዑ ልብኹም ከይዕበ እሞ ነቲ ኻብ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት፥ ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኸይትርስዑ።
ኣቱም ዘማውያን ነዝ ዓለም እዙይ ምፍቃር፥ ንእግዚኣብሄር ምፅላእ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ነዝ ዓለም እዙይ ዘፍቅር፥ ፀላኢ እግዚኣብሄር ይኸውን።