Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 15:36 - መፅሓፍ ቅዱስ

36 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ናብ ወፃኢ ሰፈር ኣውፂኦም፤ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 15:36
6 Referencias Cruzadas  

እቶም ከንቱ ዝኾኑ ኽልተ ሰባት ድማ መፂኦም ኣብ ቅድሚ ናቡቴ ተቐመጡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ድማ “ናቡቴ ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን እንትፀርፍ ሰሚዕናዮ” ኢሎም መስከሩ። እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ወፃኢ እታ ኸተማ ኣውፂኦም፥ ክሳዕ ዝመውት ብእምኒ ቐጥቀጥዎ።


ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ እስራኤላዊ፥ ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዝነብሩ ጓኖት፥ ካብ ደቁ ንጣዖት ሞሎኽ ዝህብ ይቀተል፤ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እቲ ሰብ እቱይ ይሙት፤ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ወፃኢ ሰፈር ብእምኒ ቐጥቂጡ ይቕተሎ” በሎ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦


ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ። ክፉእ ንዝኾነ ኻብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ፤ ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ነዙይ ሰሚዖም ክፈርሑ እዮም።


ኢያሱ ድማ ንኣካን “ስለ ምንታይ መከራ ኣምፃእኻልና? እግዚኣብሄር በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽፉእ ክገብረካ እዩ” በሎ። ኵሎም እስራኤል ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎም፤ ብእምኒ ቐጥቂጦም ምስ ቀተልዎም ከዓ ብሓዊ ኣቃፀልዎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos