34 እንታይ ከም ዝገብርዎ ስለ ዘይፈለጡ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ።
ሓሙኡ ኸዓ፥ እቲ ሙሴ ኣብ ህዝቢ ዝገብሮ ዅሉ ምስ ረአየ “እዝ ኣብዝ ህዝቢ እዙይ እትገብሮ ዘለኻ ነገር እንታይ እዩ? ስለ ምንታይከ ኢኻ፥ ኵሉ ህዝቢ ኻብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ከቢቡካ ደው ኢሉ እንተሎ፥ ንስኻ በይንኻ ኽትፈርድ እትቕመጥ?” በሎ።
ሙሴ ድማ ንሓሙኡ “እቲ ህዝቢ ፍቓድ እግዚኣብሄር ክጥይቕ ናባይ ስለ ዝመፅእ እዩ።
ፍቓድ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝግለፀሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣፅንሕዎ።
እቶም ዕንፀይቲ እናኣረየ ዝረኸብዎ ኸዓ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ኵሉ ማሕበርን ኣቕረብዎ።
ሙሴ ድማ “እግዚኣብሄር ብዛዕባኻትኩም እንታይ ከም ዝእዝዝ ክሰምዕስ ፅንሑ” ኢሉ መለሰሎም።