Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 15:25 - መፅሓፍ ቅዱስ

25 እዝ በደል እዙይ ብዘይ ምፍላጥ ዝተገብረ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ኽንዲ በደሎም ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእትን ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ንእግዚኣብሄር ኣምፂኦም እዮም እሞ፥ እቲ ኻህን ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል የስተስርየሎም፤ ስሕተት ነይሩ እዩሞ፥ ክሕደገሎም እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 15:25
13 Referencias Cruzadas  

ንስጋኻ ብሓጢኣት ከየስሕቶ ንኣፍካ ሓርነት ኣይትሃቦ፤ ኣብ ቅድሚ መልኣኽውን ስሕተት እዩ ነይሩ ኣይትበል። ስለ ምንታይከ እግዚኣብሄር ብቓልካ ኽቝጣዕን ንግብሪ ኣእዳውካ ኸጥፍኦን እትደሊ?


እቲ ኻህን ድማ፥ ነታ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት፥ ነታ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሰውኣየን። ስለ እቲ ዝፈሰሶ ነገር ከዓ እቲ ኻህን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየሉ።


ነዝ ዝራብዕ እዙይ ከዓ፥ ከምቲ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕ ዝገበሮ፥ ከምኡ ይግበሮ። ከምዙይ ገይሩ እቲ ኻህን ሓጢኣቶም የስተስርየሎም፤ ንሳቶምውን ይቕረ ኽበሃለሎም እዩ።


ንዅሉ እቲ ስብሑ ድማ፥ ከምቲ ንስብሒ እቲ ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ምስጋና ዝተሓርደ ዝገበሮ፥ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እቲ ኻህን ድማ ኸምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።


ከምቲ ኻብ መስዋእቲ ምስጋና ዝፍለ ስብሒ ንዅሉ እቲ ስብሒ ይፍለዮ፤ እቲ ኻህን ድማ ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። ከምዙይ ገይሩ እቲ ኻህን ሓጢኣት የስተስርየሉ፤ ሽዑ ኸዓ ሓጢኣቱ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።


ከምቲ ንስብሒ እቲ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ ጡበት በጊዕ ዝወስድዎ፥ ንዅሉ እቲ ስብሒ ይውሰዶ፤ እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝግበር ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እቲ ኻህን ከምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።


ኢየሱስ ድማ፥ “ኦ ኣቦይ! ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፥ ይቕረ በለሎም” በለ። ንኽዳውንቱውን ዕፃ ኣውዲቖም ተኻፈልዎ።


እግዚኣብሄር ከዓ፥ ፅድቁ ምእንቲ ኸርኢ፥ ነቲ ቕድም ዝተገብረ ሓጢኣት፥ ብመለኮታዊ ትዕግስቱ ይቕረ ኢሉ፥ ብእምነት ዝርከብ፥ ብደሙ ስርየት መርከቢ ገይሩ ንእኡ ኣቘሞ።


ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ። ክፉእ ንዝኾነ ኻብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ፤ ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ነዙይ ሰሚዖም ክፈርሑ እዮም።


ስለዙይውን ርህሩህን እሙንን፥ ንእግዚኣብሄር ዘገልግል ሊቀ ካህናት ምእንቲ ክኸውን፥ ንሓጢኣት ህዝቢ እውን ምእንቲ ኸስተስሪ፥ ነቶም ኣሕዋቱ ብዅሉ ኽመስሎም ተገብኦ።


ኣብቲ ኻልኣይ ክፍሊ ግና፥ እቲ ሊቀ ካህናት ጥራሕ ኣብ ዓመት ሓደ ሻዕ ይኣቱ፤ ግና እቲ ምእንቲ ርእሱን፥ ምእንቲ እቶም ህዝቢ ዝገበርዎ ሓጢኣትን፥ ዘቕርቦ ደም እንተይሓዘ ኣይኣቱን።


ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና ቤዛ ኾነ፤ ምእንቲ ሓጢኣት ኵሉ ዓለምውን እምበር፥ ምእንቲ ሓጢኣትና ጥራሕ ኣይኮነን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos