24 ነዙይ ከዓ እቲ ማሕበር እንተይፈለጠ ብጌጋ እንተ ገበሮ፥ ሽዑ ዅሉ እቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓደ ዝራብዕ ምስ ናይ እኽሊ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቱን የቕርብ። ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል የቕርብ።
ንምቕዳስ እታ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ሚእቲ ዝራብዓት፥ ክልተ ሚእቲ ማጓሉ፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ጡበታት፥ ከም ቊፅሪ እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ንዅላቶም እስራኤል ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዓሰርተ ኽልተ ዲበላታት ኣቕረቡ።
እቶም ኣብ ምርኮ ነይሮም ዝመፁ ምሩኻት ንኣምላኽ እስራኤል ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡሉ፤ ዓሰርተ ኽልተ ዝራብዓት ስለ ዅሎም እስራኤል፥ ተስዓን ሽዱሽተን ማጓሉ፥ ሰብዓን ሸውዓተን ጡቦታት፥ ዓሰርተ ኽልተ ዲበላታት ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣቕረቡ። እዝ ዅሉ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ነበረ።
ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ዲበላ፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ኸዓ ኽልተ ዓመት ዝገበሩ ጡበታት ኣባጊዕ ሰውኡ።
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ዝኾነ ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ኻብ ዝኣዘዞ፥ ሓንቲ ብምጥሓሱ ብዘይ ምፍላጥ ሓጢኣት እንተ ገበረ ኸምዙይ ይግበር፦
ሓደ ሹም ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ እንተይፈለጠውን ኻብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይትግበር ኢሉ ዝኣዘዞ ጥሒሱ እንተ በደለ፥
ሓጢኣት ከም ዝገበረ ምስ ተፈለጦ፥ ንመስዋእቲ ዝኸውን ካብ ኣጣሉ ሓደ ተባዕታይ ጐደሎ ዘይብሉ ጤል የምፅእ።
ሓደ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ነገር እንተይፈለጠ በደል እንተ በደለ፥ ክንዲ በደሉ መስዋእቲ ዝቐርብ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ፥ ብሚዛን ቤተ መቕደስ ዝተገመተ ሰቕሊ ብሩር፥ ጐደሎ ዘይብሉ ማጕላ ንመስዋእቲ በደል ንእግዚኣብሄር የምፅእ።
ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ ኸም ዝገመትካሉ፥ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጐደሎ ዘይብሉ ናብ ካህን የምፅእ። ስለ እቲ ብዘይ ፍልጠት ዝገበሮ ጌጋ፥ እቲ ኻህን ከምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ። ሽዑ ኸዓ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
ነቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝኣዘዘኩም፥ እንተ ዘይጌርኩም ኻብታ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ዝሃበላ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ውሉድ ወለዶኹም እንተ ዘይሓሊኹምዎ፥
ብዘይ ፍልጠት ዝተገብረ በደል ስለ ዝኾነ ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእኸሎም ንዝነብር ጓናን ሓጢኣቶም ክሕደገሎም እዩ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ መስተን፥ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ጤልን ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ።