23 ነቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝኣዘዘኩም፥ እንተ ዘይጌርኩም ኻብታ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ዝሃበላ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ውሉድ ወለዶኹም እንተ ዘይሓሊኹምዎ፥
ካብቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝሃቦ ትእዛዛት ብዘይ ምፍላጥ እንተ ጠሓስኩም፥
ነዙይ ከዓ እቲ ማሕበር እንተይፈለጠ ብጌጋ እንተ ገበሮ፥ ሽዑ ዅሉ እቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓደ ዝራብዕ ምስ ናይ እኽሊ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቱን የቕርብ። ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል የቕርብ።