19 እንጀራ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ምስ ጀመርኩም፥ ንእግዚኣብሄር ፍሉይ መባእ ኣቕርቡ።
ሌዋውያን ዓስራት ክወስዱ እንተለዉ ድማ፥ ሓደ ኻህን ወዲ ኣሮን፥ ምስቶም ሌዋውያን ይሃሉ። እቶም ሌዋውያን ድማ ናይቲ ዓስራት ዓስራዩ የልዕሉ እሞ ናብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ናብቲ ኽፍልታት ቤተ መዛግብቲ የእትዉ።
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ናብታ ኣነ ዘእትወኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥