Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 15:15 - መፅሓፍ ቅዱስ

15 ኣብታ ማሕበር፥ ንኣኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዝነብር ጓናን ሓደ ስርዓት ይኹን። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ስርዓት ዘለኣለም ይኹን። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እቲ ጓናን ንስኻትኩምን ማዕረ ኢኹም።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 15:15
17 Referencias Cruzadas  

እቶም ኣይሁድ ንርእሶምን ንዘርኦምን ንዅሉ ናብኣቶም ዝተፀግዐን እዘን ክልተ መዓልቲ እዚኣተን፥ ከምቲ ተፅሒፉ ዘሎ በብእዋኑን በብመዓልቱን እንተየዛብዑ ኸብዕሉ ተቐቢሎም ኣፅንዕዎ።


ነዛ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋ፤ ንኣይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብዕልዋ፤ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩምውን ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋ።


“ነዝ ስርዓት እዙይ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ንዘለኣለም ሓልውዎ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ሕጊ ፋሲካ እዙይ እዩ፦ ጓና ዝኾነ ኻብኡ ኣይብላዕ።


ንወዲ ዓድን ኣብ ማእኸልኩም ንዝነብር ጓናን፥ ሓደ ሕጊ ይኹን” በሎም።


ኣሮንን ደቁን ከይብድሉ እሞ ኸይሞቱ፥ ናብታ ኣነ ዝርከበላ ድንኳን ክኣትዉ እንተለዉ፥ ወይ ኣብ መቕደስ ከገልግሉ ናብ መሰውኢ ኽቐርቡ እንተለዉ ይተዓጠቕዎ። “እዙይ ንኣሮንን ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡን ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ ይኹን።


ንጓና ኾነ ንእስራኤላዊ ሓደ ዓይነት ሕጊ ይኹነልኩም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።


“እቶም መለኸት ዝነፍሑ ካህናት ከዓ ደቂ ኣሮን እዮም። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ዘለኣለማዊ ሕጊ ይኹነልኩም።


ምሳኻትኩም ንቑሩብ እዋን ዝቕመጥ ጓና፥ ወይ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እንተቕርብ፥ ከምቲ ንስኻትኩም እትገብርዎ ይግበር።


ብዛዕባ እቲ ብጌጋ ዝግበር ነገር ነቲ ወዲ ዓዲ ዝኾነ እስራኤላውን ነቲ ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹን።


እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊ እቲ ናባይ ዝቐርብ መስዋእቲ ስልጣን ሂበካ ኣለኹ። ኵሉ እቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ቅዱስ መስዋእቲ ኸም ብፅሒትኩም ገይረ ንኣኻን ንደቅኻን ሂበኩም ኣለኹ።


ምሳኻትኩም ዝነብር ጓና፥ ፋሲካ ንእግዚኣብሄር ከብዕል እንተ ደለየ፥ ከምቲ ናይ ፋሲካ ሕግን ስርዓትን ገይሩ የብዕል። ንጓናን ንወዲ ዓድን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም።


ኵልኻትኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኢኹም እሞ፥ በዙይ ኣይሁዳዊ ወይ ግሪካዊ፥ ባርያ ወይ ጭዋ፥ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ ዝብል፥ ኣፈላላይ የለን።


ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፥ ኣብኡስ ግሪካውን ኣይሁዳውን፥ ግሩዝን ዘይግሩዝን፥ ዝሰልጠነን ዘይሰልጠነ ኣረማውን፥ ባርያን ጭዋን ዝብል፥ ኣፈላላይ የለን።


ኵሎም ደቂ እስራኤልን ዓበይትን ኣሕሉቕን ፈረድትን ምስኣቶም ዝነብሩ ባዕዳንን ኣብ መንፅር እቶም ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሌዋውያን ካህናት ብየማኖምን ብፀጋሞምን ደው በሉ። እቲ ህዝቢ ድማ ፍርቁ ብወገን እምባ ገሪዛን፥ ፍርቁ ድማ ብወገን እምባ ጌባል ቆመ። እዙይ ከዓ ኸምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ህዝቢ እስራኤል ክባረኹ እንተለዉ ዝኣዘዞም ገበረ።


ዳዊት ድማ ኻብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ነዙይ ኣብ እስራኤል ሕግን ስርዓትን ገበሮ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos