13 ኵሉ ወዲ ዓዲ ዝኾነ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እንተቕርብ፥ ከምኡ ይግበር።
ከም ቍፅሪ እቶም እትስውእዎም ከምኡ፥ ንነፍሲ ወከፎም ከከም ቍፅሮም ግበሩ።
ምሳኻትኩም ንቑሩብ እዋን ዝቕመጥ ጓና፥ ወይ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እንተቕርብ፥ ከምቲ ንስኻትኩም እትገብርዎ ይግበር።