12 ከም ቍፅሪ እቶም እትስውእዎም ከምኡ፥ ንነፍሲ ወከፎም ከከም ቍፅሮም ግበሩ።
ንሕድሕድ ብዕራይ ወይ ማጓሉ ወይ ጡበት በጊዕ፥ ወይ ወጠጦ ኽትስውኡ እንተለኹም ከምኡ ግበሩ።
ኵሉ ወዲ ዓዲ ዝኾነ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እንተቕርብ፥ ከምኡ ይግበር።