11 ንሕድሕድ ብዕራይ ወይ ማጓሉ ወይ ጡበት በጊዕ፥ ወይ ወጠጦ ኽትስውኡ እንተለኹም ከምኡ ግበሩ።
ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኸምዙይ ኢልኩም ንገርዎ፦ ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣቦ ስድራ፥ ነንቤት ሓደ በጊዕ ይውሰድ።
ንመስዋእቲ መስተ ኸዓ ኽልተ ሊትሮ ወይኒ ኣቕርብ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
ከም ቍፅሪ እቶም እትስውእዎም ከምኡ፥ ንነፍሲ ወከፎም ከከም ቍፅሮም ግበሩ።
ንመስዋእቲ መስተ ኸዓ፥ ምስቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ ምስቲ መስዋእቲ ሕሩድ ነንሓደ ጡበታት ኣባጊዕ ሓደ ሊትሮ ወይኒ የቕርብ።
እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ መጀመርታ ወርሒ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ እዩ። እዝ መስዋእቲ እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብለኒ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።