7 ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል ከዓ “እታ ኽንስልያ ዝዞርናያ ምድሪ የመና ፅብቕቲ ምድሪ እያ።
ንሙሴ ድማ “ናብታ ዝሰደድካና ምድሪ በፃሕና፤ ብሓቂ ኸዓ ንሳ ፀባን መዓርን እተውሕዝ እያ፤ ፍረኣ ኸዓ እዙይ እዩ።
ካሌብ ከዓ ነቶም ህዝቢ፥ “ስዒርና፥ ነታ ምድሪ ኽንሕዛ ንኽእል ኢና እሞ፥ ደዪብና ደኣ ንሓዛ” እናበለ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ኣህድኦም።
ኢያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፎኒን፥ ካብቶም ነታ ምድሪ ኽስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ፥ ብጓሂ ኽዳውንቶም ቀደዱ።
ካብ ፍረ እታ ምድሪ እውን ብኢዶም ወሰዱ፤ ናባና ኸዓ ኣምፅእዎ። ‘እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝህበና ምድሪ ፅብቕቲ እያ’ ኢሎም ድማ መልሲ ነገሩና።
ንሳቶም ከዓ “እታ ምድሪ የመና ፅብቕቲ ኸም ዝኾነት ርኢናያ ኣለና። ተልዓሉ ኣብ ልዕሊኣቶም ንደይብ። ንስኻትኩምከ ስቕ ዲኹም እትብሉ? ንምኽያድ፥ ኣቲኹምውን ነታ ምድሪ ንምውራስ ሸለል ኣይትበሉ።