40 ንፅባሒቱ ድማ ኣንጊሆም ተስኡ “በዲልና ኢና እሞ፥ እንሆ ናብታ እግዚኣብሄር ዝበለና ቦታ ንድይብ ኣለና” ኢሎምውን ናብ ርእሲ እቲ እምባ ደየቡ።
ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዘሎ ኽፉእ ነገር ናይ ኵላቶም ብፅሒቶም ሓደ ምዃኑ እዩ። እምበኣር ልቢ ደቂ ሰብ ክፍኣት መሊኡ እዩ፤ ብህይወቶም እንተለዉ ድማ ዕብዳን ኣብ ልቦም ኣሎ፤ ድሕሪዙይውን ናብ ሙታን ይወርዱ።
ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ጓና፥ ብትዕቢት ሓጢኣት ዝገብር ሰብ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ፀሪፉ እዩ እሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝቡ ይወገድ።
በለዓም ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “እወ፥ በዲለ፤ ክትቃወመኒ ኢልካ ኣብ መንገዲ ደው ከም ዝበልካ ኣይፈለጥኩን። ሕዚ ኸዓ ዘጕህየካ እንተ ኾይኑስ ኽምለስ” በሎ።
በዓል ገዛ ተሲኡ ማዕፆኡ ምስ ሸጐረ፥ ሽዑ ኣብ ወፃኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፥ ‘ጐይታ፥ ጐይታ፥ ክፈተልና’ እናበልኩምውን ማዕፆ ኽትኵሕዅሑ ኢኹም። ንሱ ኸዓ ‘ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ’ ኢሉ ኽምልሰልኩም እዩ።
“ሽዑ ‘ንእግዚኣብሄር በዲልና ኢና፤ እምበኣር ክንድይብ እሞ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘና ኽንዋጋእ ኢና’ ኢልኩም መለስኩምለይ፤ ነፍሲ ወከፍኩምውን ኣፅዋርኩም ዓጢቕኩም ናብ ደጕዓ ኽትድይቡ ተዳሎኹም።
“ኣነ ድማ ነገርኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣቢኹም፤ ብድፍረትኩም ናብቲ ደጕዓ ደየብኩም እምበር ኣይሰማዕኹምንን።